Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ – ኣምባሳደር ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ምውስኻ ዋጋ ነዳዲ ክሳብ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19ን ወጥሪታት ጂኦፖለቲካን ብዙሓት ብድሆታት ኣጋጢሞምዎ እዮም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን በዞም ኩሎን ብድሆታት ኮይኑ ፈተናታት ናብ ዕድላት ብምቕያር ኣብታ ኣህጉር ዘለዎ መሪሕነትን ኣብ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳራይነትን ክዕቅብ ክኢሉ እዩ።

እቲ መገዲ ኣየር ብቖራፅ ኣመራርሓ መንግስቲ መደመር ካብ ምዕዳግ ዘበነዎት ነፈርቲ ክሳብ ህንፀት ሜጋ ኤርፖርት፣ ካብ ማእከላት ስልጠና በረራ ክሳብ ምስፋሕ ማእኸላት ፅገና፣ ብዝፈፀሞም ስራሕቲ ልምዓት ጉዕዞኡ ኣቀላጢፉ እዩ።

እቲ ኣየር መንገዲ ቁፅሪ ነፈርቱ ንምዕባይን ንምዝማንን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ታሪኻዊ ዝተባህሉ ስምምዓት ምዕዳግ ዘበናዊ ነፈርቲ ፈፂሙ እዩ።

በዚ ድማ 74 ሓደሽቲ ነፈርቲ ብምዕዳግ ናብ ስራሕ ዘእተወ እንትኸውን፤ 117 ኣውሮፕላናት ንምዕዳግ ምስ ኩባንያታት ቦይንግን ኤርባስን ስምምዕነት ፈፂሙ እዩ።

እዞም ስምምዓት ድማ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም 787 ድሪምላይነር፣ 737 ማክስ፣ A350-900ን A350-1000ን ዝኣመሰላ ዘበነዎት፣ ነዳዲ ዝቑጥባን ንብኽለት ከባቢ ኣብ ግንዛበ ዘእተዋ ኣውሮፕላናት ክውንን ኣኽኢሉዎ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝጥቀመለን ኣውሮፕላናት ማእላይ ዕድመ 9 ነጥቢ 3 ዓመት እነትኸውን፤ እዚ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ዝጥቀመለን ነፈርቲ ብቐንዱ ዘበነዎትን ሓደሽቲን ምዃነን ዘርኢ እዩ።

ዓለም ለኸን ናይ ውሽጢ ሃገርን መብፅሒታት በረራ ብዝለዓለ ደረጃ እናስፋሕፈሐ ዝርከብ እቲ መገዲ ኣየር፤ ብፍላይ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ ናብ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ዓለም ለኸ መብፅሒታት ኣገልግሎት በረራ ጀሚሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ድማ ቁፅሪ ዓለም ለኸ መብፅሒኡ ናብ 150 ኣብፂሑዎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ከም ነገሌ ቦረና፣ ጎሬ መቱን ደብረ ማርቆስን ዝበሉ ሓደሽቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብምህናፅ በረራ ጀሚሩ ኣሎ።

ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብተወሳኺ፤ እናዓበየ ዝመፅአ ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ንምስትንጋድ ግዙፍ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንምህናፅ ስራሕ ብወግዒ ተጀሚሩ እዩ።

እዚ ብ12 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ፤ ኣብ ዓመት ክሳብ 100 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዝህልዎ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ኣህጉራዊ መገዲ ማእኸል በረራ ብምግባር ናይ ኣፍሪካ ዝዓበየ ማእኸል ኣቪዬሽን ክትከውን ዓብዪ ዕድል ይፈጥር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፥ ዓበይቲ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ምህናፅ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያ ቀፃሊት መሪሕ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ናይ ምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ እዩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ዘመዝገቦም ድሙቓት ዓወታት ትልሚ 2035 ስትራቴጂኡ ጋህዲ ንምግባር ብዝገብሮ ፃዕሪ ወሳኑ ስጉምቲታት እዮም፡፡

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.