ናይ መወዳእታ ሰነድ ሃገራዊ ዘተ ፅባሕ ንኹሎም ጉጅለታት ክቐርብ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ተጠርኒፉ ዝተዳለወ መወዳእታ ሰነድ፣ ጽባሕ ንኹሎም ጉጅለታት ከም ዝቐርብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ሂሩት ገ/ሥላሴ፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ሎሚ መግለፂ ሂበን።
ካብ ሸሞንተ ጉጅለታት ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ንምጥዕዓም ዝተመስረተ ጉጅለ፣ እቶም ምኽረ ሓሳባት ኣጣዒሙን ኣዋዲዱን ዘዳለዎ ሰነድ ንነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ብምቕራብ እታወት እናኣከበ ከም ዝርከብ ገሊፀን።
እዚ ከይዲ ሎሚ ከም ዝዛዘም ዝገለፃ ኮሚሽነር ሂሩት፤ እቲ መወዳእታ ሰነድ ፅባሕ 14 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ንኹሎም ተዛተይቲ ብሓባር ከም ዝቐርብ ኣመልኪተን።
እዚ ከይዲ ድማ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝለዓለ ምዕራፍ ከም ዝበፅሐ ዘመልክት ምዃኑ ኣብሪሀን።