Fana: At a Speed of Life!

4 ሺሕን 400 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ 2018 በጀት ዓመት ናብ ስራሕ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2018 በጀት ዓመት 4 ሺሕን 400 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ኣትዮም ኢሎም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም የካይድ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ብውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝተሰርሐ ስራሕ 5 ነጥቢ 9 ቢልዮን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ።

ኣብቲ በጀት ዓመት 4 ሺሕን 400 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 165 ዝኾኑ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎም ኣፍረይቲ ምዃኖም ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” 57 ቢልዮን ብር ዝግመት ምትእስሳር ዕዳጋ ከም ዝተፈጠረ እውን እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 69 ነጥቢ 3 ሚእታዊ ዝበፅሐ ዓቕሚ ምፍራይ ብምዕባይ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ናብ 74 ሚእታዊ ንምብፃሕ ተወጢኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ፍርያት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ 1 ቢልዮን ዶላር ዝኸውን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ከምኡ እውን ን480 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ መደመር ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ዘይቲ ኣብ ዕዳጋ ዝነበሮም ተሳትፎ ካብ 5 ናብ 18 ነጥቢ 3 ሚእታዊ ክውስኽ ከም ዝገበረ ብምፅራሕ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ዓቕሚ ምፍራይ ፋብሪካታት ዘይቲ ንምዕባይ ከም ዝስራሕ እውን ገሊፆም።

ብኤፍሬም ምትኩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.