ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6ይ ዓመት 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ ኣካይዱ።
ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6ይ ዓመት 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ ኣካይዱ።
እቲ ካቢኔ ኣብ ና ሎሚ መዓልቲ ኣኼባኡ ኣብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።
ብመሰረት እዚ፦
- ንተጠቀምቲ ማሕበረሰብ ሓቆፍ መድሕን ጥዕና ዝኸፍልዎ ክፍሊት ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝርራብ ተግባራዊ ንኽኸውን ኣፅዲቑ።
- ሃገራዊ ረብሓ ንዘለዎም ፕሮጀክታት (ሆቴላት፣ ሞላትን ኣፓርትመንታትን፣ ኢንዱስትሪታት፣ ትካላት ወለንታ፣ መንግስታዊ ትካላትን ትካላት ሕክምናን) ናይ ምስፋሕን ሓደሽቲ ሕቶታት መሬትን ንምምላስ ኣብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝርራብ ተፈፃሚ ንኽኸውን ኣፅዲቑ።
- ብኽፋል ብኮሪደር ለሚዖም፣ ብኽፋል እንተይለምዑ ዝፀንሑ ከባቢታት ብምሉእ ንምልማዕ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ ተግባራዊ ንኽኸውን ኣፅዲቑ።