Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መብፅሒት ኢኮኖሚ ጥዕና ኣፍሪካ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መብፅሒት ኢኮኖሚ ጥዕና ኣፍሪካ ንምዃን ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

መበል 13 ኮንፈረንስ ፌዴሬሽን ጥዕና ምብራቕ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ጥዕናን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ሉኣላውነት ምሕላው ማለት ብቐጥታ ጥዕና ዜጋታት ምስ ምሕላው ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ሃገራዊ ሉኣላዊነት ብምሉእ ንምርግጋፅ፣ መድሓኒታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ፣ ክኢላታት ጥዕና ብቑዕ ስልጠና ክረኽቡን ኣብ ሃገር ክፀንሑ ምግባርን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣፍሪካ ዘለዋ ድሌት ብዓቕማ ክትማልእን ለበዳ ሕማማት ንምቅላስን ንምፅዋርን ዘኽእል ዓቕሚ ክትሃንፅ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ከም ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን ካብ ዘጋጥሙ ስግኣታትን ጥዕናን ፀገማትን ምትራፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ በቢእዋኑ እናዓበየን እናማዕበለን ዝኸይድ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣህጉራዊ ፌደሬሽን ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጣየሽ ልዑል ድሌት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ማእኸል ኢኮኖሚ ጥዕና ኣፍሪካ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ከምዘቀላጥፎ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ፋርማሲዩቲካል ፍርያታት፣ ናይ መርመራ ኣገልግሎታትን መሳርሒታትን፣ ናይ ሕክምና መሳርሒታትን ካልኦት ኣገደስቲ ፍርያታት ጥዕናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ፋብሪካታት ንምስፋሕ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።

ዕቤት ጥዕና እቲ ዞባ ጋህዲ ንምግባር ተሓከምቲ ኮኑ መሳርሒታት ሕክምና ሙሉእ ብምሉእ ካብ ወፃኢ ኣብ ምእታው ዝተመርኮሰ ኣሰራርሓ ክቕየር ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.