Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ጥንኩራት ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ምፍራይ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ጥንኩራት ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ምፍራይ ይግባእ ኢሉ ኩባንያ ቦይንግ።

ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግን ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገር ዝመፅኡ ተማሃሮ ን6 ሰሙን ዝተዋህቦም ስልጠና ክረምቲ ብምዝዛም ኣመሪቑ።

እቶም ተምሃሮ፣ ን6 ሰሙን ኣብ ዝተዋህበ መርሃ ግብሪ ስልጠና STEM፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጂነሪንግን ሒሳብን፣ ሮቦቲክስን ሰብ ስራሕ ብልሒን ዝምልከቱ ትምህርትታት ተኸታቲሎም።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር ቦይንግ ኣፍሪካ ሄኖክ ተፈራ ከም ዝገለፁዎ፤ ናይ ፅባሕ በዓል ሞያ ኣቪዬሽንን ኢኖቬሽንን ንምፍራይ ዝተዳለወ መደብ STEM መናእሰይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘተባብዑ ውፅኢታት ምፍራይ ጀሚሩ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ለኣከ ታደሰ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ተመረቕቲ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝዋፈሩሉ ዓውዲ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ንሃገሮም ብቅንዕና ከገልግሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ስልጠና ክእለት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን መናእሰይ ብምዕባይ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ሃገር ብቑዓት ተተኣካእቲ ሰብ ሞያ ንምፍራይ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ብዘርኣያእቆብ ያእቆብ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.