በዓል መውሊድ ኣብ ከተማ ጅማ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 19፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 1501 በዓል ልደት ነቢዩ መሓመድ (መውሊድ) ኣብ ከተማ ጅማ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ኣብ ከተማ ጅማ ብዋናነት ኣብ ቅፅሪ ግቢ መድረሰቱል ኸይሪያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።
ኢማም መስጊድ ሙኒር ሼኽ መሓመድ ኣባተማም ኣብ ዘስተላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነዚ በዓል እናከበርና ንትምህርቲ ነቢዩ ብምዝካር ንድኹማትን ኣብ ፀገም ዘለዉን ሰባት ፍሉይ ትኹረት ክንህብ ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ጅማ ቁባ ኣባ ዓረቢ ብድምቀት ክኽበር እዩ።
ብዓብዱረሕማን መሓመድ