ኣብ ክልል ትግራይ እናተንቀሳቐሱ ንዝነበሩ ዕጡቓት ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግዚኡ ዝሓለፎ ሜላ ቃልሲ ብምጥቃም ዕድሚኡ ንምንዋሕን ስቓይ ህዝቢ ንምብእኣስን ዝገበሮ ፈተነ እከይነትን ድሕረትን እቲ ጉጅለ ዘርኢ እዩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እቲ ይቃለሰሉ እየ ንዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ናብ ኲናት ብምእታው ዕላማን ድሌትን እናሃለዎም ዘይኮነስ ብግዲ ኣብ ኲናት ዘሰለፎም ዕጡቓት ህፃናት ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ፀላሎት ሞት ክፀንሑ ገይሩ እዩ።
እዚ ዝተረድአ ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ብዘይ ድሌቶምን ዕላማኦምን ንናይቲ ጉጅለ ውክልናዊ ኲናት ንምፍፃም ተበታቲኖም ንዝርከቡ ዕጡቓት ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ክኣትዉ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ኣፍሪካ ሴንተር ፎር ስትራቴጂ፤ ንዕጡቓት ዕድል ተሃድሶ ምሃብ ብሰንኪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝፍፀሙ ቅትለታት፣ ምጭዋይን ዝምታን ንምንካይ ስለዝሕግዝ ሕብረተሰብ ብዘይ ስግኣት ክንቀሳቐስ የኽእሎ።
ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ናብራ እንትምለሱ ዳግም ናብ ኲናት ናይ ምእታው ዕድሎም ዝንኪ እንትኸውም፤ እዚ ድማ ስምምዕነታት ሰላምን ድሕሪ ኲናት ዝፍጠሩ ማሕበራዊ ርክባትን ዘላቒ ንክኾኑ ይሕግዝ።
ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ዘቕረቦ ፃውዒት ብዘይ ድሌቶም እናተዋግኡ ንዝርከቡን ተበታቲኖም ዘለዉን ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ሞት ንምድሓን፣ ከምኡ እውን ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ንምምፃእ ዝቐረበ ሰላማዊ ፃውዒት እዩ።
ብምዃኑ መንግስቲ ንዕጡቓት ዝሃቦ ዕድል ተሃድሶ ኣብ ኲናት ዝነበሩ ወገናት ብሰንኪ ኲናት ካብ ዘጋጠሞም ስነ-ልቦናዊ ስብራት ንኽወፅኡ ከምኡ እውን ተዋጋእቲ ካብ ጭቆና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንኽላቐቑ ዕድል ዝህብ እዩ።
ንዕጡቓት ዝተሳድኡ ማእኸላት ተሃድሶ ዝርከቡሎም ከባቢታት እውን ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-
👉 ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከቡ ነበር ዕጡቓትን ኣመራርሓን – ኣብ ከተማታት ማይጨውን መኾኒን
👉 ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ መቐለ ሓዊሱ ዝርከቡ – ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ሰሜን
👉 ኣብ ዞባ ምብራቕ ከባቢ ዓዲግራት ዝርከቡ – ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ውቕሮን
👉 ኣብ ማእኸላይ ዞባ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓብዪ ዓዲ ሓዊሱ ዝርከቡ – ኣብ ከተማታት ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ዓብዪ ዓዲን
👉 ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ ዕጡቓት -ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ ነበር ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ማኸላይ ሪፖርት ክገብሩ ይኽእሉ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ