ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውፅኢቶም ካብ ሎሚ ምሸት ስዓት 1 ጀሚሮም ክሪኡ ይኽእሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውፅኢቶም ሎሚ ምሸት ካብ ስዓት 1 ጀሚሮም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ።
መዛዘሚ ሰርተፊኬት ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ውፅኢት ፈተና ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዝግለፀሎም ኣድራሻታት ዕላዊ ኮይኖም።
ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 መዛዘሚ ውፅኢት ፈተና ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተፈተንቲ ሎሚ 19 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ካብ ምሸት ሰዓት 1፡00 ጀሚሮም ዝስዕቡ መጠወቒ ኣማራፂታት (Link) ብምጥቃም ክሪኡ ከምዝኽእሉ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
ብዝተተሓሓዘ ተፈተንቲ ቅርታ እንትህልዎም ብኣካል ምምፃእ እንተየድለየ https://result.eaes.et/complaint ዝብል መጠወቒ ብምጥቃም ቅርታኦም ካብ 19 ክሳብ 26 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ብምቕራብ ምላሹ እውን ብተመሳሳሊ መጠወቒ ኣቢሎም ክከታተሉ ከምዝኽእሉ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።