Fana: At a Speed of Life!

ካብ መድመቒ በዓል ክሳብ ልሙድ ባህሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ተኮር ኣንፈት ልምዓት ናብራ ዜጋታት፣ ብፍላይ ድማ ህፃናት፣ ተምሃሮ፣ ኣረጋውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሓገዝ ዝጠልቡ ወገናትን ንምምሕያሽ ብዙሓት ተግባራት እናካየደት ትርከብ።

መንግስቲ መደመር ዘላቒ ዕቤት ምስ ዕለታዊ ህይወት፣ ክብሪን ማሕበራዊ ድሕነትን ዜጋታት ንምትእስሳር ካብ ዝውዕሎም ሰብ ተኮር ስራሕቲ ሓደ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮን ማእኸላት ምገባ ብምጥያሽ ኣረጋውያን ናይ ምምጋብን ተግባራት እዮም።

እዞም ተግባራት ትማሊ ንሃገሮም ዝሰርሑን ውዕለታ ዝወዓሉን ካብ ምኽባር ሓሊፉ ንፅባሓ ዝሰርሑ ተምሃሮ ካብ ጉዕዞኦም ከይተዓናቐፉ ዝሕግዙ እዮም፤ ብተወሳኺ ባህሊ ምትሕግጋዝ እውን የጠናኽሩ።

በዓላት ምኽንያት ብምግባር ንዝተፀገሙ ዜጋታት መኣዲ ብምክፋል ዝተጀመረ ሰናይ ተግባር ናብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምዕባይ ብመርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ከምኡ እውን ማእኸላት ምገባ ብምጥያሽ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ተስፋ ብርሃን” ብዝብል ስያመ ማእኸላት ምገባ ተጣይሾም ንዜጋታት ኣገልግሎት ምገባ እናሃቡ ይርከቡ።

ኣብዞም ማእኸላት ርእሶም ንምምጋብ ዓቕሚ ዝጎደሎም ኣረጋውያን፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ከምኡ እውን ሰብ ውዕለታ ሃገር ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ብማሕበራዊ ኮሚቴታት ዝተመረፁ ትሑት ናብራ ዘለዎም ነበርቲ ተረባሕቲ ክኾኑ ክኢሎም እዮም።

ብሓገዝ እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሃፍቲን ብዝተፈላለዩ ትካላትን ዝንቀሳቐሱ እዞም ማእኸላት ተበፃሕነቶም እናሰፍሐ ይርከብ።

ማእኸላት ምገባ ተስፋ ብርሃን ሓገዝ ምግቢ ዝህቢ ቦታታት ጥራሕ ዘይኮኑስ መግለፂ ፍቕሪ፣ ሰብኣውነትን ሓባራዊ ህይወት ሕብረተሰብን እውን እዮም።

ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዓቕመ ደካማ ዜጋታት ማዕፆኦም ክፍቲ ገይሮም ዝፅበዩ 30 ማእኸላት ምገባ ተኸፊቶም መዓልታዊ ንብዙሓት ዜጋታት እናገልገሉ ይርከቡ።

ኣብዞም ማእኸላት ምገባ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ተሓጋዛይነት ናብ ተጠቃማይነት ዕድል ስራሕ ንኽሰጋገሩ ምግባር ድማ ካልእ ዘደንቕ ጉዕዞ እዩ።

ኣብዚ መዳይ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማእኸላት ምገባ ተጠቀምቲ ንዝነበሩ 400 ነበርቲ መጀመሪ ስራሕ ካፒታልን መስርሒ ናውቲታትን ብምምላእ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ገይሩ እዩ።

ተመገብቲ ዝነበሩ ተጠቀምቲ እዞም ማእኸላት ምገባ እውን ኣብ ከይዲ ብኣገልግሎት ምገባ ዕድል ስራሕ ተጠቀምቲ ንኽኾኑ ተገይሩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ ከም ዝበልዎ፤ እዚ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትካልን ሕብረተሰብን ናይ ኩሉ ልማድ ክኸውን ይግባእ።

ኢትዮጵያ ንርእሳ እትንእስ ሃገር ኣይኮነትን ክብሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምክፋል መኣዲ ባህሊ ክግበር እንተተኻኢሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ውሻጠ ክመልእ ከምዝኽእል ኣስሚሮምሉ እዮም።

ብትእግስት ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.