Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝመፅእ ሓሙስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝርኸቡሉ ስሩዕ ኣኼባኡ ከካይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝቕፅል ሓሙስ ከካይድ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝልዓሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልሲን መብርሂን ከምዝህቡ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ባይቶ 17 ሕዳር 2019 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2፡30 ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፤ ቅዋም መንግስቲ ድሕሪ ምስማዕ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ካልኦት ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ብኽብሪ ክሳተፉ እዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.