ሰማያዊን ቀጠልቲን ዩኒፎርም ዝለበሱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ንሰላም ኣህጉር ኣፍሪካን ዓለምን ዋጋ እናኸፈለ ዝርከብ ክፍሊ ሰራዊት እዩ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 70 ዓመታት ዝቐፀለን ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኾነን ልምዲ ሰላም ምኽባር ዘለዋ ሃገር ኮይና፤ ዞባወዊን ዓለምለኻዊን እጃማ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ክሳብ ሕዚ ኣጠናኺራ ትቕፅል ኣላ።
ኢትዮጵያ ካብ ቀዳሞት ዓቀብቲ ሰላም ወተሃደራት ዝልእካ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ እያ። ኣብ ኮርያ፣ ኮንጎ፣ ላይቤሪያ፣ ሩዋንዳ፣ ቡሩንዲ፣ ሱዳንን ሶማሊያን ሰራዊታ ብምውፋር ዘኹርዕ ገድሊ ምፅሓፋ ታሪኻ የርኢ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያን ኣብ ሱዳም ኣቢየን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰማያዊ ዩኒፎርም ዝለበሱ ወተሃደራት ብምውፋር ሰላም እቲ ዞባ ንምሕላው ትሰርሕ ኣላ።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ንናፅነትን ድሕነትን ደቡብ ሱዳን ልዑል ሰብኣዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ወተደራዊን ኣበርክቶ ጌራ እያ።
ሎሚ እውን ኣብ ማዕቐፍ ሕቡራት መንግስታት ህዝቢ ንምሕላውን ጎንፂ ንምክልኻልን ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ዓቀብቲ ሰላም ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ይርከቡ።
እዞም ሰማያዊ ዩኒፎርም ዝለበሱ ዓቀብቲ ሰላም ክቡር ህይወቶም ብምግባር ኣብታ ኣህጉር ሰላምን ርግኣትን ንኽዓስል ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ኣብ ዝካድ ማዕቐፍ ተልእኾ ምኽባር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣውሶም)፣ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅላስን ሰላም ሶማሊያ ኣብ ምርግጋፅን እጃማ ትዋፃእ ኣላ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ዞባዊ ሰላም፣ ፀፅታን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ንምርግጋፅ፣ ብማዕቀፍ ኢጋድ (IGAD)ን ሕብረት ኣፍሪካን ኣቢላ መሪሕነት ምኽባር ሰላም ናይቲ ዞባ እጃማ እናተዋፀአት ትቕፅል ኣላ።
ብሚኪያስ ኣየለ