ብፅንዓት ሃገር ዘፅንዕ ህዝባዊ ትካል
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓይነታት ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊራ መዓልታት ጳጉሜን 2018 ዓ.ም “ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናኽበረት ትርከብ።
በዚ ድማ ትካላት ፀፅታን ድሕነትን ንዘበናት ዝቐፀለ ታሪኽ ብራኸ ኢትዮጵያ ብፅንዓት ንምቕፃል ዘበርከቱዎ ልዑል ኣበርክቶ ንምዝካር ሎሚ መዓልቲ 3 ጳጉሜን “መዓልቲ ፅንዓት” ብዝብል ስያመ ይኽበር ኣሎ።
ታሪኽ ሃገርና ምስ መጥቃዕቲ ደጋውያን ሓይልታትን ውሽጣዊ ፈተናታትን እናተጋፈጠ ዝሓለፈ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ዝተመልኦ እኳ እንተኾነ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻልን ዝተላበሱዎ ዘይብዳህ መንፈስ፣ ሃገር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክትሰጋገር ገይሩዋ እዩ።
ኣብ ከይዲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ንድሕነት ሃገርን ህዝቢን ንምርግጋፅ ቀዳማይ ዓምዲ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ሎሚ እውን ነዚ ብዝያዳ ንምፅናዕን ንምቕፃልን መንግስቲ መደመር፤ ንሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ህዋሕስ ልውና ኢትዮጵያ ዝኾኑ ትካላት ፀጥታ ንትውልዲ ተሳገርቲ ናይ ምዃን ብቕዓቶም ንምርግጋፅ ንዘበኑ ዝበቅዕ ቴክኖሎጂ ንምዕጣቕን ንምብቃዕን ትኹረት ብምግባር ስራሕቲ እናካየደ ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ፍሉይ ወፍሪታት ሓይሊ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሜካናይዝድ፣ ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌርን ሓይልታት ሳይበርን ከምኡ እውን ኣብ ሓይሊ ምድርን ባሕሪን ኣዝዩ ሰፊሕን ሱር ቦቆስን ስራሕቲ ሪፎርም ኣካይዱ እዩ።
እቲ ሰራዊት ንባዕሉ ብዘበናዊ ኣፅዋራት ውግእ፣ ብቴክኖሎጂ፣ ብትምህርቲን ስልጠናን ብምህናፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ዘይናወፅ ሓያል ሓይሊ ክፈጥር ክኢሉ እዩ።
እቲ ትካል ንምንቅስቓስ ፀላኢ ኣቐዲሙ ብምስላልን ሓበሬታ ብምእካብን ከምኡ እውን ብካሚካዜ ድሮናት ድፋዓት ፀላኢ ብቐሊሉ ናይ ምፍራስ ዓቕሚ ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ሰራዊት ዝሃነፆ ሓይሊ ኣብ ድፋዕ ውግእ ጥራሕ ዝውሰን ዘይኮነስ ኣብ ስትራቴጂያዊ ቦታታትን ኣብ ናይ ሰላም ወረዳታትን ዝለዓሉ ስግኣታት ፀጥታ ብቕልጡፍ ብምእታው ውግእ ናይ ምቅልጣፍን ዕድመ ኲናት ናይ ምሕፃርን ፍሉይ ብቕዓት ኣለዎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብምኽንያት መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ሃገርና ብናይባዕላ ዓቕሚ ፍልጠትን ዓቕሚ ደቃን ልዑል ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂታት ክትዕጠቕ ክኢላ እያ ኢሎም።
ብቕዓት ዘለወን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት፣ ዝተዓጠቓ ዘበናዊ ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ፣ ከበድቲ ኣፅዋራትን መዳፍዕን፣ ከምኡ እውን ተተኮስቲ ጠያይቲን ኣብ ናይ ባዕላ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪታት ክተፍሪ ክኢላ እውን ኢሎም።
ሰራዊትና ግዚኡ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ብምዕጣቕ ሓዊሱ ንምርግጋፅ ረብሓ ሃገርን ህዝቢን ዘይናጋዕ መሰረት ምዃኑ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ፤ እናመስከረ እውን ይርከብ።
ብሶስና ኣለማየሁ