Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፈተናታት ብፅንዓት ብምሕላፍ ዘኹርዑ ዓወታት እናመዝገበት ትርከብ — ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብዙሓት ፈተናታት ብፅንዓት ብምሕላፍ ዘኹርዑ ዓወታት እናመዝገበት ትርከብ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።

ትካላት ፀፅታን ድሕነትን ጳጉሜን 3 መዓልቲ ፅንዓት “ፅንዓት ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናኽበሩ ይርከቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን፣ ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ዘካይዱዎም ንጥፈታት ስራሕ ተዘኪሮም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ወናንነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ጉዕዞ ፅንዓት ኢትዮጵያ ዘርኢ እዩ።

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወትፃምዝተኻየደ ዝሓበሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ከይዲ ሃገራዊ ዘተን ብዓወት ምዝዛሞም መርኣያ ፅንዓት ኢትዮጵያውያን እዮም ኢሎም።

እዚ ሃገራዊ ጉዕዞ ዕቤትን ምዕባለን ከይዕወት ዝደልዩ ውሽጣዊን ደጋዊን ሓይልታት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ንምዕጋት ዘይናጋዕ ሃገራዊ ሓድነት፣ ድልዱል ሃገራዊ ምርድዳእን ምትእስሳርን ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚረሮምሉ።

መንእሰይ ወለዶ ድማ፤ ቀዳሞት ኣቦታት መስዋእቲ ከፊሎም ዘፅንሕሉ ሃገር ብፅንዓት ናይ ምሕላውን ንዝመፅእ ወለዶ ናይ ምስግጋርን ዓቢዪ ሓላፍነት ከምዘለዎ ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.