ብቕብብል ብታሪኽ ዝተረከብናያ ሃገር ብምፅናዕ ንወለዶ ከነረክባ ኢና – ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብቕብብል ታሪኽ ዝተረከብናያ ሃገር ብምሕላውን ብምፅናዕን ንዝመፅእ ወለዶ ከነረክባ ኢና ኢሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ምብራቕ።
ኣባል ሰራዊት ምክልኻል እዚ ምብራቕ ሌተናል ኮሎኔል ፈይሳ በዳዳ፤ ቀዳሞት ኣቦታትና ብወፃኢ ወራሪን ብውሽጣዊ ባንዳን ከይተበድሁ ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ድምበርን ዶብን እታ ሃገርን ሓድነት ህዝባን ዝተኸበረሉ ሃገር ኣረኪቦምና እዮም ኢሎም።
እዚ ዘይብዳህ መርኣያ ፅንዓት እዩ ዝበሉ እቶም ኣባል ሰራዊት፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብዚ ሕዚ እዋን ድምበርን ዶብን ሃገሩ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ብፅንዓት እናተዋፅአ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ብውሽጣዊ ፀላኢ ከይተበዳህና ብቕብብል ታሪኽ ዝተረከብናያ ሃገር ብምሕላውን ብምፅናዕን ንዝመፅእ ወለዶ ከነሰጋግራ ኢና ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ኢትዮጵያ ምኽባሩ ብፍላይ ንሰራዊት ምክልኻል ዓቢዪ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
ሎሚ 3 ጳጉሜን “መዓልቲ ፅንዓት” ብዝብል ስያመ ትካላት ፀጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ብፅንዓት ንምቕፃል ዘበርከትዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምዝካር ብብርኪ ሃገር እናተኸበረ ይርከብ።