ሓድነት፣ ሓላፍነትን ተሳትፎን ህዝቢ ንዝፀንዐት ሃገር መሰረት እዩ – ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መሰረት ዝፀንዐት ሃገር ጥንካረ ትካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነት፣ ሓላፍነትን ተሳትፎን ህዝቢ እዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ።
ፍልይቲ ወርሒ ኢትዮጵያ ዝኾነት ጳጉሜን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ሃገራዊ መደባት እናተኸበረት ትርከብ።
ብመሰረት እዚ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ 3 ጳጉሜን ‘መዓልቲ ፅንዓት’ ብዝብል ስያመ ብዝተፈላለዩ መደባት እናኽበረ ምዃኑ ገሊፁ።
መሰረት ዝፀንዐት ሃገር ጥንካረ ትካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነት፣ ሓላፍነትን ተሳትፎን ህዝቢ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ፅንዓት፤ ኣብ እዋን ፈተና ኣይሰዓርን ምባል፣ ኣብ ውሽጢ ፀገም ተስፋ ምሕላው፣ ከምኡ እውን ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ብፅሬት ክሳብ መወዳእታ ምፍፃም መሰረት ዝፀንዐት ሃገር ምዃኑ ሓቢሩ።
ናይ ሎሚ ፈተና መሰረት ዓወት ፅባሕ ብምዃኑ፤ ብሓባር ብምትሕግጋዝ፣ ብትዕግስቲን ብቖራፅነትን ፀገማት ብምስጋር ዝሓሸ ፅባሕ ምህናፅ ከምዝከኣል እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ።