Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ መዓልቲ ፅንዓት ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጳጉሜን 3 – መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።

እቲ ሓይሊ ኣየር ፅንዓት ጀጋኑ ተላቢሱ ዝተዋህቦ ልኡኽቶ ብብቕዓት፣ ብቖራፅነትን ብተኣማንነትን እናተዋፅአ ከምዝርከብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተመላኺቱ።

ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ብዲሲፕሊንን ሞያዊ ብቕዓትን ከምኡ እውን ብሓድነት ንዝተዋህቦ ሓደራን ንዘላቒ ህንፀት ትካልን ዝገበሮ ጉዕዞ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

መዓልቲ ፅንዓት ናይ ትማሊ ታሪኽ ጀግንነት ብምዝካር ሓርበኛታትን ጀጋኑን ዝዝከሩሉ፣ ከምኡ እውን ናይ ሎሚ ፅንዓት ሰራዊት ብምቕፃል ንሃገር ዝተኣተወ ቃል ዝሕደሰሉ ናይ እምነትን ሓደራን መዓልቲ ምዃኑ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.