Fana: At a Speed of Life!

ብሪክስ ዝደገፎ ከይዲ ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓወታትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ዘርአየቶ ንጡፍ ተሳትፎ ዓወታት ዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን ዘስፍሕ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ዝተውሃቡ ድጋፋትን ጎድና ጎድኒ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻየዱ ክልተኣዊ ዘተታትን ዲፕሎማሲያዊ ተሳትፎ እታ ሃገር ንምጥንኻር ዝሕግዙ ነይሮም።

ኣብ መድረኽ ብሪክስ ጉዳያት ዓለም ለኸ ንግዲ፣ ኣየር ትራንስፖርትን ኩነታት ኣየርን ምልዓሎም ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ እጃም ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩላ እዩ።

ካብ ዓበይቲ ውፅኢታት እቲ ጉባኤ ሓደ ከይዲ ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ሓገዝ ብሪክስ ምርካቡ እዩ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ብዝሓሸ ኩነታት ንምፅንባር እተካይዶ ዘላ ከይዲ ተወሳኺ ዲፕሎማሲያዊ ድጋፍ ንኽረክብ ዝሕግዝ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ኣባልነታ ንምቅልጣፍ ምስ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘለዋ ምትእስሳር ንምስፋሕ፣ ቀጥታ ኢንቨስትንት ወፃኢ ንምስሓብን ንፍርያታት ናብ ዓለም ዕዳጋ ንምቕራብ ዘለዋ ዓቕሚ ንምዕባይን እናሰርሐት ትርከብ።

ኣብዚ ከይዲ ሓገዝ ብሪክስ ዓቕሚ ድርድር ኢትዮጵያ ዘጠናኽር ዲፕሎማሲያዊ ውፅኢት ኮይኑ እዩ።

ካልእ ኣብቲ ጉባኤ ዝተጠናኸረ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሓሸ ውክልና ንኽህልዋ እገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ እዩ።

ብሪክስ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ንተወሳኺ ወንበር ዘቕረበቶ ሕፁይነት ብምድጋፍ፣ ኣብ ዓለም ለኸ ናይ ኣቪዬሽን ውሳነ ዝውስን መድረኽ ድምፂ ኣፍሪካ ንኽጠናኸር ዘለዎ ድሌት ኣርእዩ።

ብሪክስ ኣብ ሓባራዊ መግለፂኡ፤ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተደገፈት ብሕታዊት ሕፅይቲ ኣፍሪካ ምዃና ፀሪሑ እዩ። እዚ ሓገዝ ካብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ተተሓሒዙ ዘለዋ ተሞክሮን ዓቕምን ሓሊፉ ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ዘለዋ ተሳትፎ ፖሊሲ ንምዕባይ እተካይዶ ፃዕሪ ዘጉልሕ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክተአንግዶ ተዳልያ ዘላ መበል 32 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ለውጢ ኩነታት ኣየር (ኮፕ 32) ሓገዝ ብሪክስ ምርካባ እውን ካሊእ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ውፅኢት እዩ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ተሞክሮኣ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ንዓለም ንምክፋል ከምኡ እውን ድሌታት ኣፍሪካ ኣብ ጉዳያት ኩነታት ኣየር፣ ፋይናንስን ልምዓትን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ንምግንዛብ ወሳኒ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.