Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘበነ ትምህርቲ 2019 ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2019 ብዕሊ ጀሚሮም ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ እታ ከተማ።

እቲ ቢሮ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ የካ ኣባዶ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣካይዱ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ሳምሶን መለሰ ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ንዘበነ ትምህርቲ ዘድልዩ መፃሕፍቲ መምሃሪ፣ ናውቲ ትምህርቲን ምድላው መምሃሪ ክፍልታትን ኣቐዲሙ ምዝዛም ተኻኢሉ።

ኣብ ኩሎም ናይ መንግስቲን ውልቀን ኣቢያተ ትምህርቲ እታ ከተማ ካብ 1ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ፣ መምህራንን ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝተመለሱ እውን ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ መንግስታዊ ኣበያተ ትምህርቲ ንተምሃሮ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምገባ ተምሃሮን ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ከም ዝቐፀለ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2018 ዝተመዝገበ ዕዉት ውፅኢት ተምሃሮ ኣብዚ ዓመት እውን ብምጥንኻር ንምቕፃል ከም ዝስራሕ ተመልኪቱ።

ወለዲን ማሕበረሰብ ትምህርትን ንውፅኢጣነት ተምሃሮን ጥቡቕ ስነ ምግባርን ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እውን እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ።

ብሳራ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.