Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ለኸ ውድድራት ስፖርት ምችውቲ ከተማ ትኸውን ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ኮሪደር ምስ ፅንሰ ሓሳብ ስማርት ሲቲ ብምውህሃድ ንሕቶን ድሌትን መናእሰይ ዝምልሱ ዓለም ለኸ ውድድራት ስፖርት ዝካየዱላ ማእኸል እናኾነት ትመፅእ ኣላ ኣዲስ ኣበባ።

እታ መዲና ዘበናዊ ልምዓት ኮሪደር ምስ ፅንሰ ሓሳብ ስማርት ሲቲ ብምውህሃድ ብቕልጡፍ ትቕየር ኣላ።

እታ ከተማ ንምዕባይን መሰረተ ልምዓት ንምህናፅን ዝካየድ ስራሕ፤ ንሓፈሻዊ ድሌትን ሕቶን መናእሰይ ብዝምልስ መገዲ እናተኻየደ ይርከብ።

እዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መለክዒታት ዘማልኡ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዓበይቲ ውድድራት ስፖርት ዝካየዱላ ተመራፂት ርእሰ ከተማ ንኽትከውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱላ።

ኣብታ ከተማ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ብሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ብመናእሰይ ዓብዪ ተቐባልነት እናረኸበ ዝመፅአ ውድድር ሕውስዋስ ማርሻል ኣርት (ኤምኤምኤ) መርአያ ናይዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ለውጢ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ስፖርት ኣብ መናእሰይ ዘለዎ ልዑል ድሌትን ስምዒትን ካብ ምምላስ ሓሊፉ፤ ብስነ ስርዓት፣ ብፅንዓትን ስፖርታዊ ዓቕሚን ዝተሃነፀ ሓዱሽ ወለዶ ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።

ዓለም ኣቀፍ መዐቀኒታት ዘማልኡ ውድድራት ኣብ ርእሰ ከተማ ምክያዶም ድማ፣ ክእለት መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ዓብዪ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።

እታ ከተማ ብተወሳኺ ካብ ውድድራት ሚክስድ ማርሻል ኣርት ብተወሳኺ ብዙሓት ዓለም ለኸን ኣህጉራዊን ምድላዋት ስፖርት ብብቕዓት ክተአንግድ ጀሚራ ኣላ።

ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ስፖርት፣ ልምዓት ኮሪደር ዝፈጠሮ ፅርየትን ፅባቐን፣ ከምኡ እውን ምዕባይ ኣገልግሎታት ሆቴታልን መጓዓዝያን፣ ኣዲስ ኣበባ ደረጃ ኦሊምፒክ ዘለዎም ውድድራትን ዋና ማእኸል ስፖርት ምብራቕ ኣፍሪካን ንኽትከውን እናሰርሐ ይርከብ።

እዚ ሓፈሻዊ ንጥፈት ልምዓትን ስፖርትን፤ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ብፍላይ ድማ ንመናእሰይ ክንደይ ምቹውቲ፣ ሰሓቢትን ተስፋ ትህብን እናኾነት ትመፅእ ከምዘላ ብተግባር ዘርኢ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መናእሰይ ኣብ ዘፈር ስፖርት ዘለዎም ፍልጠትን ክእለትን ዘርእዩሉ፣ ጥዕና ዘለዎ ሜላ ኣነባብራ ንምዕባይ፣ ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት ከተመኦም ቅልጡፋት ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ሰፊሕ ዕድል እናተፈጠረሎም ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.