ልዕልና ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ መደመር ዝተመዝገቡ ዓወትታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ዓውድታትን ዝተረአየ ስግግር ጉዕዞ ቀንዲ ፍልስፍና መደመር ዝተቃነየ እዩ።
መንግስቲ መደመር ነቲ ዝሓለፈ ኣወንታዊ ክብርታት ብምቕፃል፣ ጌጋታት ብምእራምን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብሩህ ንምግባር ሓዲሽ ትርኢታትን ኣሰራርሓታትን ምውሳኽ ዘተኰረ እዩ።
እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናብ ተግባር ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን ኣብ ታሪኽ ልምዓት እታ ሃገር ዓብዪ ግደ ዘለዎም፣ ልዕልና ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ዓበይቲ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
ብመንግስቲ መደመር ካብ ዝተፈፀሙ ዓበይቲ ተግባራት እቲ ሓደ ንዓመታት ተጀሚሮም ከይተዛዘሙ ዝፀንሑ ወይ ዝተተለሙ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ናብ ፍፃመ ምብፃሕን ሓዲሽ መሰረተ ልምዓታት ምህናፅን ምፅራሕ ይክኣል።
ውፅኢት ፃዕሪ ሓባር ኢትዮጵያውያን ምልክት ሉኣላዊነት ዝዀነ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ካብቲ ዝነበሮ ዓዘቕቲ ኣውፂኡ ምዕራፍ ምልኢት ማይ ፍልፍል ሓይሊ ምዝዛም ዝተኸኣለ ድሕሪ ለውጢ ብዝመፀ መንግስቲ መደመር እዩ።
እታ ሃገር ዘለዋ ተፈጥሮኣዊን ታሪካዊን ፀጋታት ናብ ሃብቲ ቁጠባ ንምቕያር ኣብ ወንጪ፣ ጎርጎራ፣ ኮይሻ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ኤኮ-ቱሪዝም ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ፍሰት ቱሪዝም ኣዝዩ ኣለዕሊዎ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ንነበርቲ ምቹዋት፣ ፅሩያትን ዘመናዊን ብምግባር ፍሉይ ፅባቀ ከዲኑዋ ኣሎ። በዚ ድማ ምስሊ ብዙሓት ከተማታት ካብ ምቕያር ሓሊፉ ንቁጠባ ልዑል ኣበርክቶ እናበረከተ ይርከብ።
ዕዳጋ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ቀዳማነት ዝውሃቦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቢሾፍቱ ብሓዲሽ መልክዕ ኣብ ምህናፅ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፤ እታ ሃገር ዓበይቲ ትልሚታት ናብ ተግባር ምውራድን ምፍፃምን ከምዝኸኣል ዓብዪ መርኣያ እዩ።
ኢትዮጵያ ብምግብ ርእሳ ዝኸኣለት ካብ ሃገር ሓሊፋ ኤክስፖርት እትገብር ሃገር ንምግባር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ መሰረታዊ ለውጢ ፖሊስን ተግባርን ተኻይዱ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ብምሉኡ ካብ ወፃኢ ይኣቱ ዝነበረ ፍርያት ስርናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምትካእ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ናብ ሃገራት ወፃኢ ምልኣኽ ዝተኸኣለሉ ታሪካዊ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ እታ ሃገር ልዑላዊነት ምግቢ ንኽተረጋግፅ ዓብዪ መሰረት ኣንቢሩ።
ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻልን ሓመድ ካብ ምጉሕጓሕ ንምድሓን ብቢሊየናት ዝቝፀሩ ፈልሲታት ተኺሎም። እዚ ምንቅስቃስ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓለዋ ከባቢ ኣየር ኣብ ደረጃ ኣህጉርን ዓለምን ኣብነት ዝገበረ ዓብዩ ህዝባዊ ኣሰር እዩ።
ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ዘበናዊን ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስርዓት ንምቕያር ስትራተጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025” ተተግቢሩ ብዓወት ብምዝዛም ናብ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ናብ ተግባር ተእትዩ እዩ።
ኣብዚ ድማ ንዘበናት ብሓደ ትካል መንግስቲ ጥራይ ይመራሕ ዝነበረ ዓውዲ ቴሌኮም ንተወዳደርቲ ክፍቲ ብምግባሩ ኣገልግሎት ንክሰፍሕን ንኽመሓየሽን ገይሩዎ እዩ።
ስፍሓት ዲጂታላዊ ስርዓት ክፍሊት ተጠቃምነት ፋይናንስ ንምዕባይ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንኽክእ ጥረ ገንዘብ ብምቕናስ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣዝዩ ቅልጡፍ ገይሩዎ እዩ።
ብብርኪ ዓለም ለኸ መድረኽ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሰማዕነትን ፅልዋን ንምዕባይ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝንኣድ ውፅኢት ኣመዝጊቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ምትሕብባር ዝኾነ ኣባል ብሪክስ ክትከውን ክኢላ እያ። እዚ ድማ ንቁጠባ፣ ንኢንቨስትመንትን ንልዕልና ዲፕሎማሲን ሓዲሽ ምዕራፍ ከፊቱ እዩ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ አኼባታትን ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፍሪካ ናይ ምስማዕን ፃዕርታት ህንፀት ሰላም ናይ ምምራሕ ግደኣ ኣጠናኺራ ቀፂላ እያ።
ብመልካም ፈቃዱ