ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምፅናዕ ዝግበር ጉዕዞ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ድሕሪ ምክያዳ ሓዱሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእላ ወሳኒ ምዕራፍ ሒዛ ትርከብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ ስግግር ዲሞክራሲ ሰፊሕን ኣሳታፊን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ወሳኒ ክፍሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትካላዊ ምምሕያሻት፣ ኣሳታፊ ብሄራዊ ከይዲ ምኽክርን መምርሒታት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳርን፣ ኣብ ትካላዊ ብስለትን እምነት ህዝቢን ዝተመስረተ ውሑስ ፖለቲካዊ ባህሊ እናሃነፀት ትርከብ።
ጉዕዞ ምጥንኻር ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ዘድሀበ እዩ። ሃገሪቱ ኣብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ስምምዓት ካብ ምምርኳስ ይልቅ፣ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት ብዘላቒነት ክቕጽሉ ዝኽእሉ ትካላት ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ጌራ ትሰርሕ ኣላ።
ናይዚ ዓብዪ መርኣያ ድማ ብበላዕነት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ዝተመርሐ 7ይ ሓፈሻዊ ምርጫ እዩ። እቲ ቦርድ ብናፅነትን ግልፅነትን ብምንቅስቓስ፣ ንፖለቲካዊ ውድድር ገለልተኛ መድረኽ ምድላዉ፣ ድምፂ ህዝቢ ኣብ ሳጹን ምርጫ ዝሃቦ ድምፂ ንፖለቲካዊ ቅቡልነት እንኮ መሰረት ምዃኑ ኣረጋጊፁ።
ጎድና ጎድኒ እቲ መረፃ፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዘካየዶ ታሪኻዊ ተግባር ንሓባራዊ ምርድዳእ ዓብዪ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኮይኑ እዩ።
እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ዘለዉዎ ዘተ ብምምችቻው፤ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሑ ሃገራዊ ሕቶታት ንምምላስ፣ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ቅርሕንትታት ንምእራምን ሰላማዊ ዘተ ቀንዲ መንገዲ ምዃኑ ኣመስኪሩ።
ካብ ከይዲ ዲሞክራስያዊ መረፃ ስዒቡ፣ ብህዝቢ ዝተመረፁ ወከልቲ ወንበሮም ብምሓዞም ዝወፅኡ ፖሊሲታት ድሌት ህዝቢ ዘንፀባርቑ ምዃኖም ብምርግጋፅ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ክፍፅሙ የኽእሎም።
ዓወት ዝረኸቡ ፓርቲታት ብመገዲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቢሎም መንግስቲ ዝምስርቱሉ ኣሰራርሓ ኣብ ፖለቲካዊ ምህዳር ኢትዮጵያ እቲ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እናሰፍሐ ምምፅኡ ዘረጋግፅ እዩ።
እቲ ከይዲ ስልጣን ፈፃሚ ኣካል ብቐጥታ ካብ ፓርላማ ብኣብዝሓ ድምፂ ብምውሳድ ሕገ መንግስታዊ ዘይኮኑ ሕቶታት ስልጣን ክተርፉ ይገብር።
ሽግግር ኣመራርሓን ምምሕዳርን ብስርዓት ንክካየድ ብምግባር፤ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታትን ኣገልግሎታት ህዝቢን እንተይተዓናቐፉ ክቕፅሉ ይገብር።
ፓርቲታት ፖለቲካ ኣሰራርሓ ፓርላማ ከም ሰላማዊ መድረኽ ፖለቲካ ገይሮም እንትቕበሉዎ፣ ፖለቲካዊ ወጥሪ ይንኪ። ፈፃሚ ኣካል ስልጣኑ ብቐጥታ ካብ መውፅኢ ሕጊ ኣካል ዝረኽቦ ስለዝኾነ መንግስቲ ብመገዲ ወከልቲ ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ዝህብ ክኸውን ይገብር።
ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምምስራቱ ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻትን ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ክቕፅሉ ዕድል ይፈጥር።
እዚ ድማ ናብታ ሃገር ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ፣ ከምኡ እውን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብዝያዳ ክጠናኸሩን ክቕፅሉን ንምግባር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ይገብር።
መንግስቲ መደመር ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኢትዮጵያ ዘላቒ ራህዋ መሰረት ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ምስረታ መንግስቲ ንምክያድ ኣብ ከይዲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ብሄራዊ ምኽክርን ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳርን ዓንዲታት ስልጣን ፖለቲካ ጌሩ ሰሪዑዎም ኣሎ።
ብምህረት ደምሴ