Fana: At a Speed of Life!

ሚኬል ኣርቴታ ምስ ኣርሰናል ውዕሉ ንምሕዳስ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ምስታ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝተመሓየሸ ሓዱሽ ውዕሊ ንምፍርራም ተሰማዕሚዑ።

ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣርቴታ ምስ ኣርሰናል ዘለዎ ኩንትራት ኣብዚ ዘበነ ውድድር ዘብቅዕ ዝነበረ እንትኸው፤ ምስታ ጋንታ ብዛዕባ ዝህልዎ መፃኢ ጉዕዞ ንብዙሓት ኣዋርሕ ዘተን ድርድርን ክካየድ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ምስ መድፈዐኛታት ዝተመሓየሸ ሓዱሽ ውዕሊ ንምፍራም ኣብ መወዳእታ ስምምዕነት ከም ዝበፅሐ ተረጋጊፁ።

ትኽክለኛ ንውሓት እዋን ናይቲ ሓዱሽ ውዕሊ ብዝርዝር ብዕሊ እኳ እንተዘይተገለፀ፤ ኣርቴታ ካብ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ኣርሰናል ፃንሒቱ ብውሑዱ ክሳብ 10 ዓመት ክናዋሕ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምስቲ ሓዱሽ ውዕሊ ተተሓሒዙ ኣርቴታ ልዑል ወሰኽ መሃያ ከም ዝግበረሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓመት 10 ሚልዮን ፓውንድ ዝኽፈሎ ኮይኑ፤ ብመሰረት ሓዱሽ ውዕሊ ክሳብ 5 ሚልዮን ፓውንድ ተወሳኺ ክፍሊት ቦነስ ብምርካብ፤ ልዑል ክፍሊት ካብ ዝኽፈሎም ኣሰልጠንቲ ዓለም እቲ ሓደ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ኣርቴታ ኣብ ኣርሰናል ዘለዎ ፃንሒት ምሕዳሱ ስዒቡ፤ እታ ጋንታ ምስኡ ዝጀመረቶ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮጀክት ንምቕፃል ዘፃ ድሌት ዘርኢ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.