ብምድርን ብሰማይን ዋልታ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓንቲ ሃገር ነዊሕ ዘበናት ተሳጊራ እትፀንዕ ኣብ ዶብ ሉኣላውነታ ዘይብዳህ ዋልታን መኸተን ዝኾነ ሓይሊ እንትህልዋ እዩ።
ታሪኽ ከም ዝነግረና ኢትዮጵያ ንናፅነታን ሃገራዊ ክብራንዋሕስ ኮይኑ ዝዘለቐ ተኣማኒ ተጋድሎ ኣቦታታን ኣዴታታን እዩ።
ሎሚ እውን እቲ ጥንታዊ ፍቕሪ ሃገርን ወታደራዊ ወነን ብዘበናዊ መልክዕ ተቐሪፁ፣ ብምድሪን ብሰማይን ዶባት ሃገር ዝሕሉ ጥንኩር መኸተ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘካየዶም ዘበናዊ ስራሕቲ ሪፎርም፤ ነቲ ሰራዊት ብሓይሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብልዑል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ እውን ቁመንኡ ክትርንዕ ገይሮምዎ እዮም።
ዝተዋደደ ድልውነት ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ምድሪን ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ በፂሑ ኣሎ። ሰማያዊ ኣካል ብዘበናዊ ስርዓታት ራዳርን ድሮናትን ብምቕናይ፣ ሰራዊት ምድሪ ድማ ብዝሰልጠኑ ክፍልታት ኮማንዶ ብምጥንኻር ዝወሃቡ ቅልጡፍ ሃገራዊ ምላሻት ዶብ ተሳጋሪ ድልውነት እቲ ሰራዊት ብግልፂ የርእዩ።
እዚ ጥምረት ቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን ድማ ካብ ምፍፃም ወታደራዊ ወፍሪ ሓሊፉ ዕለታዊ ሰላም ዜጋታት ንምርግጋፅ ዝለዓለ ግደ ኣለዎ።
እቲ ሰራዊት ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ቀልጢፉ ዝበፅሕ፣ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ድማ ደጋፊ ብምዃን ምስህዝቢ ዘለዎ ጥንኩር ሕውነት ኣመስኪሩ እዩ።
ኣፈላላያት ብሄር፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ተሳጊሩ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ማዕረ መኸተ ብምዃኑ ህያው ማሕተም ሃገራዊ ሓድነትና ተባሂሉ ይውሰድ። እዚ ተጋድሎን ተኣማንነትን ግን ኣብ ዶብ ሃገር ጥራሕ ዝተደረተ ኣይኮነን።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ዝካየዱ ልእኽቶታት ምዕቃብ ሰላም ዘርአዮ ትብዓት፣ ስነ ምግባርን ህዝባዊ ወገናዊነትን ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸኻዊን መድረኻት ታሪኽ ዝዝክሮም ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ።
ብዕዙዝ ስልጠና፣ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ፅኑዕ ሃገራዊ ፍቕሪን ዝተሃነፀ ሰራዊት፣ ታሪኻዊ ክብሪ ኢትዮጵያ ንምሕላውን መፃኢ ሰላማን ንምርግጋፅን ሎሚ እውን ብምድርን ብሰማይን እሙን ዋልታ ኮይኑ ደው ኢሉ ኣሎ።
ብእመቤት ሲሳይ