ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ንምልማዕ ናይ ማንም ፍቓድ ኣይትሓትትን – ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ሓዊሱ ካልኦት ሩባታታ ኣልሚዓ ንምጥቃም ናይ ማንም ፍቓድ ኣይትሓትትን ኢሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ።
ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ከም ዝገለፁዎ፤ ግብፂ ኣብ ዓባይ ሩባ ከተቐፅሎ እትደሊ ድሌት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዳግም ኣብ ዘይምለሰሉ ብርኪ በፂሑ እዩ።
ኢትዮጵያ ሩባታታ ብምልማዕ ንምጥቃም ናይ ማንም ፍቓድ ኣይትደሊን ክብሉ ተዛሪቦም።
ብደምን ረሃፅን ኢትዮጵያውያን ዝተሃነፀ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ሃፍቲ ማየን ፍትሓዊ ተጠቀምቲ ንኽኾና ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት ምዃኑ እውን ፀሪሖም።
እዚ ድማ ግብፂ ነቲ ሩባ በይና ናይ ምቁፅፃር ዘመን ከምዘብቀዐ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እዋን እውን ኣብ ሩባ ኣባይ ገበርቲ ሩባታትን ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዘይጎድኡ ነገር ግን ድሌት ምልማዕን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ፀሪሖም።
ኣብ ሩባታታ ዝህነፁ ፕሮጀክትታት መፈልፈሊ ሓይሊን ግድባት መስኖን ድሌት ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ ምምላእ ሓሊፎም፤ ዞባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ተረባሕነትን ንምጥንኻር ልዑል ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ገሊፆም።
ግብፂ ድኹም ምሕደራ ማይ ዘለዋን ማይ እተባኽንን ሃገር ምዃና ብምሕባር፤ ግድብ ኣስዋን ኣብ ከባቢ ምድረ በዳ ምህናፁ ልዑል ሃፋ ማይ ብምስዓብ ልዑል ብኽነት ማይ ንኽፍጠር እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ካብ 14 ክሳብ 16 ቢልዮን ሜትር ኩብ ዝፅጋዕ ማይ እናባኸነት ከምትርከብ ኣመልኪቶም።