ልምዓት ከተማ ክብሪ ኣነባብራ ነበርቲ ብዝሕሉ መልክዑ ክውገን ኣለዎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ከተማ ክብሪ ኣነባብራ ነበርቲ ብዝሕሉ መልክዑ ክውገን ኣለዎ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብዳግማይ ልምዓት ዝተሃነፀ መንበሪ ኣባይቲ ከባቢ ቅጠል ተራ ሎሚ መዓልቲ ንነበርቲ ኣረኪበን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፤ ከተማ ንነበርታ ዝሓሸ ናብራ፣ ክብሪን ምቹው ኩነታት ኣነባብራን ዝፈጥር ቦታ ክትከውን ኣለዋ።
ነበርቲ ኣብ ጎሓፍ፣ ጭቃ፣ ዝተጨናነቐ መገዲን ዘይተመጣጠነ ኩነታት መንበሪን እናነበሩ ልምዓት ከተማ ክበሃል ኣይክእልን ኢለን።
ቅድም ክብል ብጉስቁልናን ዝተጨናነቐ ኩነታት ናብራን ዝፍለጥ ዝነበረ ቅጠል ተራ፤ ሕዚ ናብ ምቹው፣ ሰሓቢን ሓምለዋይን መንበሪ ከባቢ ከም ዝተቐየረ ገሊፀን።
በዚ ድማ ቅጠል ተራ ሽሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስሊ እቲ ከባቢ ብምቕያር፣ “መርካቶ መንደር ምግባረ ሰናይ” ዝብል ሓዱሽ መፀውዒ ከምዝረኸበ ኣመልኪተን።
ልምዓት ከተማ ክብሪ ኣነባብራ ነበርቲ ብዝሕሉ መልክዑ ክካየድ ከም ዝግባእ እውን ኣፅንኦት ሂበን።
ኣብ 10 ሺሕ ካሬ ሜትር መሬት ዝተወገነ ስራሕ ዳግመ ልምዓት፤ 9 በዓል 8 ደርቢ ህንፃታትን ልዕሊ 500 መንበሪ ኣባይቲን ዘጠቓለለ ኮይኑ፤ ንልዕሊ 20 ሺሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ከም ዝገብር ገሊፀን።
እቶም መንበሪ ኣባይቲ፤ ምስ ሹቓት ንግዲ፣ ሜዳ ስፖርትን ካልኦት ንድሌታት ነበርቲ ዘማልኡ ኣገልግሎታትን ተደሚሮም ከም ዝተሃነፁ ኣብሪሀን።
ብተደጋጋሚ ፀገም ካብ ምዝራብ ፍታሕ ብምፍጣር ናብራ ነበርቲ ምልዋጥ ቀንዲ ትኹረት ልምዓት ከተማ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣገንዚበን።
ብግዛቸው ግርማዬ