ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንድሕነት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወሳኒ እዩ – ምሁራት
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝረኣዩ ስግኣታት ፀፅታ ንምቅላል ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም ምሁራን ፖለቲካን ምሕደራን ሳይንስ።
ሞያዊ ሓሳቦም ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዘካፈሉ እቶም ምሁራን፤ ጉዳይ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ምጥንኻር ልምዓትን ምትሕብባርን ዞባ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተመራማሪ ዓለም ለኸ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ፍቃዱ ቶሎሳ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕጋዊ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ነታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰላም እቲ ዞባን ንድሕነት ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲን ዘለዋ እጃም ንኸተጠናኽር ዘኽእል እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕጡቃት ሑቲ ኣብቲ ከባቢ የካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከምዘውድቕ ብምፅራሕ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ንሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝበከፀ ዘእምንን ኣገዳሲን ከምዝዝገብሩዎ ገሊፆም።
እዚ ሓሳብ ዘጠናኽሩ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ሳይንስ ምሕደራ በዳሳ ፍራጃ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መውፅኢ በሪ እንተዝህልዋ ምንቅስቓስ መራኽብ ብምክትታልን መጥቃዕቲታት ብምክልኻልን ልዑል ኣበርክቶ ክትገብር ከምትኽእል ገሊፆም።
ምስ ሃገራት እቲ ዞባን ዓለም ለኸ መሻርኽቲን ብምትሕብባር ኣብ ሽፍትነት ባሕሪ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን መጥቃዕቲታትን ኣብ ምክልኻል ውሑስ ድሕነት ንምፍጣር ከምዘኽእል ተዛሪቦም።
እቲ ሕቶ ብሰላማዊ መገዲን ብመንፈስ ምትሕብባርን ክፍታሕ ስለዘለዎ፤ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን እቶም ምሁራን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ዓቕሚን ታሪኻዊ ፅዕንቶን ነዚ መሰረታዊ ጉዳይ እዚ ንምዕዋት ዝሕግዝ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ብወርቅኣፈራው ያለው