ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ በዓል መስቀል ብተግባር ዝተገልፀ ፍቕሪ፣ ምትእምማንን ትግሃትን ምልክት ሽልማት እዩ ኢሎም።
በዓል መስቀል ካብ ታሪኻዊን መንፈሳዊን ረብሕኡ ብተወሳኺ፣ ህዝብና ብሓባራዊ ህይወት፣ ብፍቕርን ሰላምን ንኽነብር ዘኽኣለ ዓብዩ ሃገራዊን ሃይማኖታዊን ታሪክን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
በዓል ብመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ዓወት ዝተጎናፀፍናሉ ሰላም ዝተሰበከሉ፣ ከምኡውን እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዘለዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍቕሪ ብተግባር ዝረኣናሉ እዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።
እቲ በዓል መስቀልን ደመራን፣ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ዘርኢ፣ ጎሳ፣ ቋንቋን ሃይማኖታዊ ፍልልያትን ከይገደቦም፣ ብሓደነት ዝእከቡሉ ዓብዩ መሰረት ማሕበራዊ ምትእስሳር ኮይኑ፣ ንዘመናት እናገልገለ ከምዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም።