መደመር ብተግባር – ሓዱሽ ምጥያሸ መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፖለቲካዊን ምምሕዳራዊ ስርዓት ካብ ሓቋፋይነት ንላዕሊ ፍፁም ልዕልነት ዝሰፈነሉን፣ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከም ፀላኢ ዝርእየሉን እዩ ነይሩ።
እዚ መንገዲ ንሃገር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዘይኮነ ዝተረድአ መንግስቲ መደመር፣ ብሓሳብ መደመር “ተቓዋሚ” ካብ ዝብል ኣፀዋውዓ ናብ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ካብ ምባል ጀሚሩ ሓቋፊ ከይዲ ተግባራዊ ገይሩ፡፡
ኣብ ሃገርና ዝነበረ ምጉታት፣ ምግፍፋዕን ምትዕንቓፍን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተራእየሉ ምዕራፍ ብምዕፃው፣ ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት ብምሕላፍ ብዛዕባ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ተሳታፊ ፖለቲካዊ ባህሊ ተፈጢሩ እዩ።
ካብ ፌደራል ክሳብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ዝዝርጋሕ መንግስታዊ መሓውራት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓላፍነት መንግስቲ ክካፈሉ ምግባሩ እቲ ሓደ መርኣያ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህዝቢ ብብዝሒ ወፂኡ ድምፂ ዝሃበሉን ሓቋፊ ብዝኾነ መንገዲ ዝተኻየደን 7ይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ፣ ፓርቲ ብልፅግና መንግስቲ ንምጥያሽ ዘኽእሎ ድምፂ ከምዝረኸበ ይዝከር።
ኣብዚ መረፃ ንፓርቲታት ፖለቲካ ዴሞክራስያዊ ምህዳር ብምስፋሕ ሓሳባቶም ንህዝቢ ከቕርቡን ክስምዑን ኣብ መረፃ ድማ ብናፅነት ክወዳደሩን ዕድል ተፈጢሩሎም እዩ።
ብተወሳኺ ብሓሳብ መደመር ኣቐዲሙ ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ዝነበሮም ተሳትፎ ዝተሓተ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ኣብቲ መረፃ ብንጥፈት ክሳተፉን ኣብ ጉዳያት ሃገሮም ውሳነ ክህቡን ንዕድሎም ባዕሎም ክውስኑን ዕድል ዝተኸፍተሉ እዩ ነይሩ።
መንግስቲ መደመር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፤ ኣብ ፌዴራል፣ ክልልን ከተማ ምምሕዳራትን ንኣባላት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሹመታት ብምሃብ ምትሕብባርን ሓቋፊነትን ንምጥንኻር ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ኣርእዩ እዩ።
ንኣብነት ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ከምኡውን ነበር ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ምፅራሕ ይኽኣል።
ብሓፈሻ ኣብ ፌደራል መሓውር ሹመት 25 መራሕትን ኣባላትን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ክካተቱ ምግባሩ ይፍለጥ።
እዚ ተግባር ኣብ መሓውራዊ ፌደራል መንግስቲ ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን፤ ኣብ ደረጃ ክልል 34 ከምኡውን ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብ ዝርከቡ ኣስታት 10 ኣብ ላዕለዎት ሓላፍነት ተሸይሞም እናሰርሑ ይርከቡ።
ብተወሳኺ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ብዙሓት መቐመጢታት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ክልልን ንተናሓናሕቲ ፓርቲታት ብምልቃቕ ንተሳትፎን ሓቋፊ ቆራፅነት ከምዘለዎ ብድጋሜ ኣረጋጊፁ።
እዚ ውሳነ ገዛኢ ፓርቲ በይኑ ንፖለቲካዊ ምህዳር ከይቆፃፀሮ ንካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰፊሕ ሜዳ ውድድር ንምሃብን ዝዓለመ እዩ።
ሓሳብ ምድማር ብሓባር ንምዕባለ ሃገር ደው ምባል ማለት ብምዃኑ፣ በዚ መሰረት ብተግባር ዝተገልፁ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ።
ኣብ ዝመፅእ መስከረም 25 ቀን 2019 ዓ.ም ዝካየድ ሓድሽ ምጥያሽ መንግስቲ እውን ነዞም ፖለቲካዊ ዓወታት ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ብእመቤት ሲሳይ