በዓል መስቀል ኣብ ገፃት ሚድያታት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀልን ስነ ስርዓት ዳሜራን እዚ ዓመት ኣብ ዓለም ለኸ ሚድያታት ሰፊሕ ሽፋን ረኺቡ።
ኣልጀዚራ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ብምርካ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፤ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓል መስቀል የብዕሉ ምህላዎም ዘርኢ ፀብፃብ ኣቕሪቡ።
ዓለም ለኸ ትካል ዜና ኳታር፤ እቲ በዓል መስቀለ እየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተሓብአሉ ቦታ ዝተረኽበሉ ዕለት ብምዝካር ዝበዓል ምዃኑ ኣብ ፀብፃቡ ኣልዒሉ።
ወኪል ዜና ቻይና ዢንዋ ብተመሳሳሊ በዓል መስቀል ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ብድምቀት እናተኸበረ ምዃኑ ፀብፂቡ።
ኣብቲ በዓል ዲያቆናትን ተምሃሮ ሰንበትን፤ ምርካብ መስቀለ እየሱስ ክርስቶስ ዝዝክሩ ዝማሬታት ከቕርቡ ምፅንሖም ከምኡ እውን ሊቃነ ጳጳሳትን ከፍተኛ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ ኣከባብራ ተረኺቦም ምንባሮም ፀሪሑ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኤኤፍፒ ብወገኑ፤ በዓል መስቀል ኣብ ዩኔስኮ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ምምዝጋቡ ብምፅራሕ ካብ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ኢትዮጵያ ሓደ ምዃኑ ገሊፁ።
ፃዕዳ ተኸዲኖም እቲ በዓል ንምኽባር ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ምእመናን፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታት እቲ በዓል፣ እቲ በዓል ንምኽባር ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ቱሪስታት፣ ከምኡ እውን ዝማሬታትን ወረባትን ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቡዎ ፀብፂቡ።
ሮይተርስ፣ ዲ ደብሊዉ፣ ኣፍሪካ ኒውስ፣ ግሎባል ታይምስን ካልኦት ብዙሓት ዓለም ለኸ ሚድያታትን ድማ በዓል መስቀልን ስነ ስርዓት ደመራን ሰፊሕ ሽፋን ብምሃብ ንዓለም ኣብፂሐን።
ብሚኪያስ ኣየለ