Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተረባሕነት ህዝቢ ዝያዳ ንምዕባይ ዘኽእል ኣወዳድባ ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ 1ይ ዓመት 7ይ ዘመነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንጨፌ ኦሮሚያ ዝቐረበሉ ኣዋጅ መቋቃሚ ኣካላት ፈፃሚ መንግስቲ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፅዲቑ።

ኣብዚ ጉዳይ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጉዮ ዋሪዮ፤ ጨፌ ኦሮሚያ ተረባሕነት ህዝብታት ዘረጋግፅ ታሪኻዊ ውሳነ ምሕላፉ ገሊፆም።

ሎሚ ብጨፌ ዝፀደቐ ረቂቕ ኣዋጅ ኣካላት ፈፃሚ መንግስቲ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ምውህሃድ ኣካላት መንግስቲ ዘጠናኽር ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ ሪፎርም ብሕጊ ዝተደገፈን ስልጣን ናብ ታሕቲ ንምውራድ ዝዓለመን ምዃኑ ብምጥቃስ ቅድሚ ሕዚ 21 ዝነበሩ ዞባታት ናብ 6 ዞባታት ምውዳቦም ኣረዲኦም።

እዞም ዞባታት ድማ፦

  1. ዞባ ምብራቕ ኦሮሚያ
  2. ማእከላይ ዞባ ኦሮሚያ
  3. ዞባ ምዕራብ ኦሮሚያ
  4. ዞባ ደቡብ ኦሮሚያ
  5. ዞባ ደቡብ ምዕራብ ኦሮሚያ
  6. ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኦሮሚያ ምዃኖም ገሊፆም።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.