Fana: At a Speed of Life!

ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ፡ ታሪኻዊ ምዕራፍ ሓባራዊ ድምፂን ብዙሕነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ሓባራዊ ድምፂ ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ፅባቐ ብዙሕነትን ብተግባር ዝግለፀሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።

እዚ ሓዱሽ ህዝባዊ ውዳበ ማዕርነት ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ከምኡ እውን ብዙሕ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንኽህነፅ መገዲ ይኸፍት።

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ወናኒ ሃገሩን ኣካል ምሃብ ውሳነን ምዃኑ ዝረጋገፀሉ እዚ ምስረታ መንግስቲ፤ ኣብ ኣፈላላይ ዘሎ ፅባቐን ሓይሊን ናብ ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ይልውጦ።

በቢደረጅኡ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ድምፆም ክስማዕ ምግባር፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ልምዓት፣ ሰላምን ሓባራዊ ምዕባለን እትገብሮ ጉዕዞ ውሑስ ንኽኸውን ይገብር።

ውዳበ መንግስቲ ኣካታታይነት ከም መሰረታዊ መትከል ብምጥቃም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ወገናትን የረጋግፅ።

እዚ ኩለመዳያዊ ኣሰራርዓ ካብ ዕብለላ ሓደ ወገን ብምውፃእ ሓባራዊ ሓላፍነትን ባህሊ ምትሕግጋዝን ንኽዓቢ ዝሕግዝ እዩ።

ንድሌትን ኣረኣእያን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዘገናዘበ ውክልና ምህላዉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ስምዒት ጥርጣረ ብምውጋድ ዝጠንከረ ሃገራዊ ምርድዳእን ሓቃዊ ሕውነትን ንኽፍጠር የኽእል።

ካብዚ ብተወሳኺ ኩሎም ዜጋታት ማዕረ ዕድል ዝረኽቡሉ መንገዲ ብምኽፋት ማሕበራዊ ፍትሒን ልዕልነት ሕጊን ንኽረጋገፅ ዓቢ መሰረት የንብር።

ብሓፈሻ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ ኣካታታይነትን ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሕውነትን ምምስራቱ፣ ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ምዕባለን ኢትዮጵያ ንኽረጋገፅ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ፣ ንዝመፅእ ወለዶ ብሩህን ተስፋ ዝህቢን ሃገራዊ መፃኢ ዕድል የበስር።

ብኣብርሃም ኣበራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.