Fana: At a Speed of Life!

ዞባዊ ልምዓት ማእከል ዝገበረ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሶማልያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) እናተጠናኸረ ዝመፅአ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሶማልያን ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዓብዩ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።

ክልቲኤን ሃገራት ዶብ ጥራይ ዘይኮነስ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ እምነትን ልምድን ዝካፈሉ ከምኡውን ጠንካራ ህዝባዊን ማሕበራዊን ርክብ ዘለዎም ጎረባብቲ ሃገራት እዮም።

ክልቲኤን ሃገራት ነዊሕ ግዜ ዝፀንሐ ርክብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብድሆታት እኳ እንተገጠሞ፣ ነቲ ውጥረትን ምዕባለታትን ብመሰረት ሓባራዊ ተረባሕነት ብሓባር ብምስጋር፣ ሎሚ ኣብ መሰረት ዞባዊ ምትሕብባርን ሓባራዊ ዕቤትን ሓድሽ ምዕራፍ ብምኽፋት እናተጠናኸረ ይርከብ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ብፍላይ ድማ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅላስ ብሓባር ብዝፈፀምዎም ተግባራት ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ብምድኻም፣ ናይተን ሃገራትን ዞባዊን ስግኣት ግብራ ራዕዲን ንምቕናስ ክኢሎም እዮም።

ኢትዮጵያ ንሰላም ሶማሊያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ህይወት መስዋእቲ ሓዊሱ ሓቀኛ ሽርክነታን ዕርክነታን ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመፁ ፕሬዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.