ኩሉ ኢትዮጵያዊ ልክዕ ከም ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ ካብ ልቡ ክፈቱ ይግባእ – ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩሉ ኢትዮጵያዊ ልክዕ ከም ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ ካብ ልቡ ክፈቱ ይግባእ ኢሎም ዳይሬክተር ጄነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን።
ኣምባሳደር ረድዋን ማእኸል ሙዚየም ኪነ ጥበብን ስፖርትን ምክልኻል ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን፤ ሰራዊት ምክልኻል ዋልታ ሃገር፣ ማእኸል ምርምርን ዓለም ክቕይር ዝኽእል ትካልን ምዃኑ ገሊፆም።
ኪነ-ጥበብ ንህንፀት ልምዓት ሃገር፣ ትውልዲ ንምቕራፅን ተበግሶ ንምፍጣርን መሰረታዊ ጥበብ ብምዃኑ፤ መንግስቲ ነዚ ዓውዲ ንምድጋፍ ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ማእኸል ኪነ-ጥበብን ስፖርትን ምክልኻል ንምድጋፍን ንምጥንኻርን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ዝገለፁ ኣምባሳደር ረድዋን፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ልክዕ ከም ሰራዊት ምክልኻል ንሃገሩ ካብ ልቡ ከፍቅር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለስ ብግደአን፤ ምክልኻል ሃገር ካብ ፀላእቲ ብምሕላው ንትውልዲ ዘሰጋግር ትካል ምዃኑ ገሊፀን።
እቲ ትካል ወናኒ ብዙሓት ሞያታት ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘፈር መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንኽብሪ ሃገር ዘሚቶም፣ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ዝተዋፅኡን ኩሉ ግዜ ሃገር እተኽብሮምን ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ከምዘፍረየ ዝገለፁ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬ እዮም።
ሓላፊ እቲ ማእከል ብ/ጄነራል ጌትነት ኣዳነ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ መበል 85 ዓመት ምስረታ እቲ ማእኸል ንምኽባር ውድድር ኪነ-ጥበብ፣ ውድድር ስፖርት መበል 21 ሓይልታት ጦርን ኮንሰርት ሙዚቃን ንምክያድ ቅድመ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።