Fana: At a Speed of Life!

በሪ ባሕሪ ታሪኻዊ ምዕራፍ ወለዶ – ዓባይ ሃገር፣ ዓብዩ ህዝቢ፣ ዓብዩ ራእይ

ኣዲስ ኣበባ፣19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ታሪኻዊ ፀላእቲን ወረርቲ ባዕዳውያን ገዛእትን ዝሰዓረትሉ ታሪኽ ጀማሮ፣ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ግድብ ማይ ብባዕላ ዓቕሚ ዝሃፀት ኢትዮጵያ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ዘለዋ ናይ ምፍፃም ቆራፅነት ኣርእያ እያ።

ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ሓድነታ ብምጥንኻርን ምስ ጎረባብታ ዝጠቅም ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ብምኽታልን፣ ኣባይ ብምልማዕን ባሕሪ ምብፃሕን ዘለዋ ሕልሚ ምዕዋታ ዝቕይር ጉዳይ እዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ኣባይ ክሳብ በሪ ባሕሪ ዘለዋ ሕጋውን ታሪኻውን ረብሓ ንምሕላው እትገብሮ ፃዕሪ ፍትሓዊ ብምዃኑ፣ ሓድነትን ቆራፅነትን ህዝባ እንተሃልዩ ዘተዓናቕፍ ሓይሊ ኣይክህሉን።

እዙይ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ መሰል ሉዓላውነት ከምኡውን ናብ በሪ ባሕሪ (ቀይሕ ባሕሪ) ንምብፃሕ እትገብሮ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ፃዕሪ ዘንፀባርቕ ዓብዩ ራእይ እዩ።

ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝተሓለወ ምትእስሳር ብሓባር ክዓብዩን ሓባራዊ ብልፅግና ከረጋግፁን ኢትዮጵያ ዘርጊሓቶ ዘላ ኢድ ሰላማውን ሕጋውን ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ዝተኸተለ እዩ።

ኢትዮጵያ ሓያልን ባዕላ ዝኸኣለት ሃገር ኮይና ክትወፅእ ዘይደልዩ ፀላእቲ ፍትሓዊ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምፅልእላእ ክፍትኑ እዮም።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፍጠሩ ናይ ምትሕብባር በሪታት ንምዕፃው ፕሮፓጋንዳን ፖለቲካዊ ፀቕጥን ንምብዛሕ ዋላ እንተፈተኑ፣ ፍትሓዊ ሕቶ ኢትዮጵያን ምንቅስቃስ ልምዓታን ንምዕንቃፍ ግን ዓቕሚ የብሎምን።

ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለም ለኸ ንግዲ ንምንቕስቓስ፣ ስርቂ ኣብ በሪ ባሕሪ፣ ዘይጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣፅዋርን ከምኡውን ስግኣታት ፅንፈኝነት ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝሕመስ ዞባ እዩ።

ነዞም ዘይሕጋዊ ምንቕስቓሳት ንምክልኻል ዓብዩ ህዝብን ዓብዩ ራእይን ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ምህላዋ፣ ንዞባዊ ዘተኣማምን ፀጥታ ንምሃብ ዓብዩ ዓቕሚ ይፈጥር።

ንፈጣን ዕቤት ኢኮኖሚን ምስፋሕ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግን ዘተኣማምን መባፅሕ በሪ ባሕሪ ዘድልያ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ንግዲ ኣታዊን ወፃኢን ብዝምልከት ምስ ወደብ ዝተኣሳሰረ ፀገም ዘለዋ ተወዳዳሪነታ ክጎድእ ገይርዎ እዩ።

ኢትዮጵያ ምድላው ጥራይ ዘይኮነትስ ምዕዋት እውን ከም እትኽእል ዘርኣየ መንግስቲ መደመር ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይዚ ወለዶ መልሲ ክረክብ ካብ ምግባር ሓሊፉ እቲ ዝመፅእ ወለዶ ዝፀንዐት ሃገር ክርከብ እውን ዘኽእል እዩ።

ብትዕግስት ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.