ቅኒት ቀንዲ ተግባራት ቀዳማይ ሚኒስትር ወርሒ ነሓሰን መስከረምን
ሓምለዋይ ኣሰር፡-
“ተስፋን ንትከል” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ዝፀንሐ ናይ 2018 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምዝዛሙ ምክንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ብሓባር ተሳቲፎም።
ማሕበራዊ ጉዳያት፦
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያን በዓል መስቀልን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኹም ኣሕሊፎም። ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ድማ ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ዳማይ ሚኒስትር ናይ በዓል ህያብ ዘበርከቱ እንትኾኑ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝዓብዩ ህፃናት እውን ናይ ትምህርቲ ንብረታት ሓገዝ ተበርኪቱሎም።
ምምሕዳራዊ ጉዳይ፦
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 59ይ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ተረኺቦም መሪሖም። እቲ ምኽሪ ድማ ኣብ ኣወዳድባ ፈፃሚ ኣካላት ፌዴራል፣ ወሰን ስልጣንን ተግባርን፣ ሃገራዊ ምምሕዳር ዳታ፣ ምምሕያሽ ዘፈር ሓይሊ፣ ምምሕያሽ ደንቢ ግብሪ ገቢ ፌደራል፣ ምምሕያሽ ደንቢ ተወሳኺ ታሪክ ታክስ ፌደራል፣ ከምኡውን ምምሕያሽ ረቂቕ ኣዋጅ ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተዛትዮም ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ምጅማርን ምረቓን ፕሮጀክታት፦
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ድማ ቀዳማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእከል ሎጂስቲክስ ሞጆ መሪቖም። እቲ ምስፋሕ ኣብ 60 ሄክታር መሬት ዝተሃንፀ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ናይ ነፃ ንግዲ ዞባ እትገብሮ ጉዕዞ ብተግባር ዘረጋገፀትሉ እዩ።
ዲፕሎማሲን ክልተኣዊ ርክባትን፦
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ፣ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ፋይናንሳዊ ኮርፖሬሽን (IFC)ን ታሪኻዊ ስምምዕ ማዕቀፍ ምትሕብባር ተፈሪሙ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ድማ ፕሬዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ መሓሙድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተቐቢሎምዎም።
ብተወሳኺ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ ኹርናዕ መፃረዩ ነዳዲ ላሙ ተሳቲፎም።