Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ መደመቒ ባህሊ፣ ኣዋጅ ምስጋና

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ክረምቲ ሓሊፉ ዕምባባታት ክዕምብቡ፣ ሩባታት ክውሕዙን መሬት ብሓምለዋይ ተኽሊ ክሽፈንን እንከሎ፣ ህዝቢ ኦሮሞ ፈጣሪኡ “ዋቃ” ንምምስጋን ናብ ሆራ ይኸይድ።

ኢሬቻ ምስ ምትእስሳር እዋናት ዝሓለፈ ዝፀንሐ ክብሪ ስርዓት ገዳ፣ ዓብዩ ባህላዊ በዓል ናይ ሰላም፣ ምስጋናን ዕርቅን እዩ።

ኢሬቻ ኣብ ጥንታዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን መንፈሳዊን ምምሕዳር ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ስርዓት ገዳ፣ ዓብዩ ቦታ ዘለዎ በዓል እዩ።

ብመሰረት ሕጊ ገዳ ሚዛን ተፈጥሮ፣ ሰላምን ኣስተሳሰብ ምስጋናን መሰረታት ህይወት ማሕበረሰብ ኮይኖም ንዘበናት ተሰጋጊሮም እዮም።

በቢ ዓመቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ሃርሰዲን ኩሉ ዓመት ዝኽበር ኮይኑ ህዝቢ ለምለም ሳዕርን ዕምባባን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዝሳተፈሉ ሓባራዊ መድረኽ እዩ።

ኢሬቻ ሃፍቲ ባህሊ ኢትዮጵያ ንዓለም ዘላልይን ውሽጣዊ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝሕግዝን ዓብዩ ናይ ኣደባባይ ኩነት እዩ።

ኢሬቻ ካብ ምስጋን ውህብቶ ተፈጥሮን ፈጣሪን ካብ ምምስጋዝ ብተወሳኺ ሕውነት ህዝብታት፣ ይቕረታን ሓባራዊ ህይወትን ዘጠናኽር ዓብዩ ድልድል ሰላም ኮይኑ የገልግል። ንነዊሕ ግዜ ተፈላልዮም ዝፀንሑ ፈተውቲ ኣብኡ ይራኸቡ፤ ኣዝማድ ይበፅሑ፤ ዕርክነት ድማ ይምስረት።

ኣብቲ በዓል ዝንፀባረቕ ፃውዒት ሰላምን ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ሓባራዊ ህይወት የጠናኽር።

እቲ በዓል ፍልልያት ብምኽባር ብሓድነት ደው ብምባል ክብሪ ዘጉልሕ እዩ። ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ክዳውንቲ ደሚቑ፣ ብሓባር ዜማታት ሓጎስን ምስጋናን እናዘመረ ናብ ቦታ በዓል ዝገብሮ ጉዕዞ፣ ህያው መርኣያ ብሄራዊ ሓድነት እዩ።

ኢሬቻ ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ምጅማር መግለፂ ሰናይነትን ይቕረ በሃላይነትን፣ ከምኡውን በዓል ምስጋናን ፍቕርን እዩ።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.