ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
እተን ከንቲባ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦
እንኳዕ ንበዓል ኢሬቻ ብሰላም ኣብፅሐኩም!
ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ!!
ኢሬቻ ፀጋን ለጋስነትን ፈጣሪ ዝምስገነሉ፣ ምስ ተፈጥሮ ዘለና ቃል ኪዳን ዝሕደሰሉ በዓል ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ይቕረታን ሓባራዊነትን እዩ።
በዓል ኢሬቻ ልክዕ ከምቲ ካብ ጭጋግ ክረምቲ ናብ ዝበርሀን ብዕንባባ ገልገለ መስቀል ዝተሸለመን ወርሒ መስከረም ምስግጋር ዘበስር እዩ።
ከተማና ብበዓል ኢሬቻ ተሸሊማ፣ ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ንዕቤት ዓውዲ ቱሪዝምን ንእንግዶት ኣጋይሽን ዝምችው መግለፂ ሰላምን ፅባቐን ብምዃን ብሓጎስ ኢኮኖሚኣ ዘነቃቀሐትሉ እዩ።
ብድጋሚ እንኳዕ ኣብፅሓና፣ ኣብፅሓኩም!