በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብሩ ሓልዩ ብፍሉይ ድምቀት ተኸቢሩ ተዛዚሙ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይዚ ዓመት በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብርታቱን ትውፊታቱን ሓልዩ ብሓጎስን ብፍሉይ ድምቀትን ተኸቢሩ ከም ዝተዛዘመ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበበ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ከም ዝገለፅኦ ኢሬቻ መግለፂ ምስጋና፣ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን እዩ።
ካብ ባህላዊ ክብሪ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ብፍቕርን ብሕውነትን ዝራኸቡሉ ክብርታት ሓቢርካ ምንባርን ምፅውዋርን ዝጎልሀሉ ዓብዪ በዓል እዩ ኢለን።