በዓል ኢሬቻ ሆረ ሃርሰዴ ኣብ ቢሾፍቱ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆራ ሃርሰዴ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መልካ ሃርሰዴ ብምርቓት ኣባ ገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ብድምቀት ምኽባር ጀሚሩ።
እቲ በዓል “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኽቡሉ እናተኸበረ ይርከብ።
በዓል ኢሬቻ ሆራ ሃርሰዴ ብስነ ስርዓት ምርቓት ኣባ ገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ዝጀመረ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃርሰዴ መልካ ስነ ስርዓት ኢሬፈና (ምስጋና) ይካየድ ኣሎ።
ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ እዋን ክረምቲ ብሰላም ብምዝዛሙ ኩሉ ነገር ንዝፈጠረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉን ዝመፅእ ዘበን ፅቡቕ ንኽኸውን ድማ ንፈጣሪ ዝልምኑሉን በዓል እዩ።