ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ሰላም ናይ ምድላይ ውፅኢት እዩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ብፅኑዕ ናይ ምድላይ ውፅኢት እዩ ኢሎም ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)።
ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ፌደራል ንዘተ ዘለዎ ቆራፅነት መርኣያ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገዲዱ ዝኣተዎ ከምዝኾነ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝሃቦ ምስክርነት ከምዝገለፀ ብምዝኽኻር፤ ኣብ እዋን ምዝዛም እቲ ኲናት ነቲ ስምምዕነት ክንገብር ክኢልና ኢና ኢሎም።
መንግስቲ እቲ ኲናት ብሓይሊ ንምውዳእ ሙሉእ ዓቕሚ እናሃለዎ፤ ወንበር ስሒቡ ንሰላማዊ ዘተ ዝተቐመጠ፤ እቲ ፀገም ንሃገር ዝፀንሕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ብምርዳእ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ኣብዚ ከይዲ ህይወት ሓደ ሰብ እኳ ምድሓን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግንዛብ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ኣዚዩ ናይ ምድላዩ ውፅኢት ኢዩ ኢሎም።
ሰላም እንተሃልዩ ኩሎም ኣጀንዳታትና ክነዕውት ከምዝከኣል ብምሕባር፤ ፀገማት ብምኽክርን ብዘተን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ንኽዓቢ መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝፀንሐ እውን ኣመልኪቶም።