Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መፃወቲ ፖለቲካዊ ቁማር እናተጠቐመሉ ፀኒሑ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መፃወቲ ፖለቲካዊ ቁማር እናተጠቐመሉ ፀኒሑ ኢሎም ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)።

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ መንግስቲ ፌደራል ንስራሕቲ ልምዓት ክልል ትግራይ ዝምድቦ በጀት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንመዕደጊ ጦር መሳርሒን ንኲናትን ጥራሕ ከውዕሎ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም።

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ውሽጣዊን ደጋዊን ሓይልታት ብምፅማድ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደት ዝቐፀለ ካልኣይ ክሕደት እዩ ኢሎም።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ግዘ ክውዕል ተባሂሉ ዝስደድ ሓገዝ እኽሊ እውን ንመቐለቢ ሰራዊቱ ክጥቀመሉ ከም ዝፀንሐ ኣቃሊዖም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት “ተመዛበልቲ” ካብ ዝብል ዝሓሸ ኣጀንዳ የብለይን ብዝብል እኩይ ዕላማ ተላዒሉ ብስም ተመዛበልቲ ድራማ ክሰርሕ ከም ዝፀንሐን ህዝቢ ናብ ዓዱ ክምለስ ድሌት ከም ዘይነበሮን ኣልዒሎም።

መንግስቲ ፌደራል ነዚ ኩሉ ብትዕግስቲ ክሓልፎ ከም ዝፀንሐ ብምዝኽኻር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንህዝቢ ዘለዎ ግዴታ ዘይኮነስ ንእኩይ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ጥራሕ ከም ዝግደስ ኣብሪሆም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደልን ግፍዒን ምስ ዝፈፀሙ ኣካላት ፅምዶ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ተወሳኺ በደል ንምፍፃም ይሰርሕ ኣሎ እውን ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.