ስነ ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲን መኽፈቲ ቤት ምኽሪን ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 42 ፖለቲካ ፓርቲታት፣ 10 ሺሕን 438 ተወዳደርቲ ከምኡ እውን ልዕሊ 54 ሚልየን መረፅቲ ተሳቲፎምሉ ብዓወት ምዝዛሙ ይዝከር።
እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ዴሞክራስያዊ፣ ፍትሓዊን ተኣማንነት ብዘለዎን ኣገባብ ብዓወት ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 50 ንኡስ ዓንቀፅ 3፣ ዝለዓለ ኣካል ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምዃኑን ተፀዋዕነቱ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑን ይደንግግ።
ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እውን ኣብ መወዳእታ ሰሙን መስከረም ትርከብ ሰኑይ ከምዝጅምር፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ 2 ተደንጊጉ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 56 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝበዝሐ መቐመጢ ዝረኸበ ፖለቲካ ፓርቲ ወይ ሓባራዊ ፓርቲታት ንሕጊ ፈፃሚ ኣካል ፌደራል መንግስቲ ከምዝውድብን ከምዝመርሕን ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ስነ ስርዓት ምስረታ ናይቲ ሓዱሽ መንግስቲን መኽፈቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ክካየድ እዩ።