ዜጋታት ንሓድሽ መንግስቲ ዝሃብዎ ሓደራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምፅናዕ፣ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብነፃ፣ ብሰላምን ፍትሓዊ ብዝኾነ ከይዲ ብዓወት ምክያዳ ይዝከር።
እዚ ድማ ዜጋታት ብታሪኻዊ ፀላእቲ ካብ ዝተኣልመ ሽርሒ ከይተረበሹ፣ ወፂኦም ድምፆም ብምሃብ ፍቕሪ ሃገሮም ብተግባር ዘርኣዩሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ህዝቢ ንመረፃ ከይምዝገብን ድምፂ ከይህብን ዘይተኸፍተ ወፍሪ ኣይነበረን፤ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንጓኖት ዝተገዝኡ ባንዳታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቦምባታት ብምድርባይ ነቲ ከይዲ ንምዕንቃፍ ብዙሕ ፈቲኖም።
ኢትዮጵያውያን ነዚ ፅዕንቶ ተፃዊሮም፣ ካብ ካርድ መስጫ ድምፂ ምውሳድ ጀሚሮም ብብዝሒ ብምውፃእ፣ ንዝሓሸ ኢዩ ኢሎም ዝኣመኑሉ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተወዳደርትን ድምፆም ሂቦም።
ካብ 54 ሚሊየን ንላዕሊ ዜጋታት ኣብቲ መረፃ ብዝገበርዎ ተሳትፎ፣ ድምፆም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ መረፃ ዝተሳተፉን ዝተዓወቱን ፖለቲካዊ ፓርቲታት እውን ሓደራ ሂቦም እዮም።
እዚ ንሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ ዝተዋህበ ሓደራ፣ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ቀዳማይ ድሌት ህዝቢ ምዃኑ ዘምህር እዩ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብ ስነ ስርዓት ዕላዊ ውፅኢት እቲ መረፃ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን ከም ዝበልዎ፣ ዓቢዪ በረኸት ዲሞክራስያዊ መረፃ ንሃገር ዘለዎ ዘላቒ ዕቤትን ምርግጋዕን እዩ።
ህዝቢ ኣብ መረፃ ብምስታፍ ባዓል ዋና ሃገር ምዃኑ ዘፅንዕ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ከይጥቀም ብምድንጋርን ብምፍርራሕን ንመረፃ ንምዕንቃፍ ዝተገብሩ ፈተነታት ከይቆፀረ ብብዝሒ ወፂኡ ድምፁ ምሃቡ ነዚ ግልፂ መርኣያ እዩ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ካብ ዲሞክራስያዊ መስመር ንዝወፁ ሓይልታት ኣብ ዝሃብዎ ምኽሪ፣ እዞም ሓይልታት ንዕቤት ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ዝሓለፈ ግደ ከም ዘይህልዎም ገሊፆም።
“ብሕጋዊ ናይ መረፃ ዓውዲ ንምሕላፍ ድሌት ዘይብልኩም ሓይልታት፣ ፍልፍል ስግኣት ህዝቢ፣ ዕንቅፋት ዕቤትን ተዋሳእቲ ዕንወትን ካብ ምዃን ወፃኢ ንኢትዮጵያ እትጠቅምዎ ዝኾነ ነገር የለን” ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም።
ብሓፈሻ ህዝቢ ብካርድ መረፃ ድምፁ ዘመሓላለፎም ዓበይቲ መልእኽታት ክልተ እዮም።
ሓድሽ መንግስቲ ንተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ፖሊሲታት ብምቕራፅን ብምትግባርን፣ ንህዝቢ ንምግልጋል ቆራፅነት ዘለዎም ሓለፍቲ ስራሕ ብምምዳብ፣ ነቲ ናይ ህዝቢ ሓደራ ናይ ምፍፃም ጉዕዞኡ ሎሚ ብዕሊ ክጅምር እዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ