ከም ወርቂ ዝፈተኑና መስከረማት
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውቅያኖስ ታሪኻ ብዙሓት ማዕበላት ተሳጊራ እያ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሓለፈቶ መንገዲ ድማ ፍፁም መርኣያ ተጋድሎ ፅንዓትን ህልውናን ሓንቲ ሃገር እዩ።
ካብ ውሽጣዊ ስግኣት ድሕንነት ክሳብ ደጋዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶታት፣ ካብ ደማዊ ኲናት ክሳብ ሓደጋታት ተፈጥሮ፣ ነታ ሃገር ዘናግዑ ብዙሓት ፈተናታት ኣንፀላሊዮምዋ ነይሮም። እንተኾነ ግን ታሪኻዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ዝነበራ ፀገም ናብ ዕድል ናይ ምቕያር ተመኩሮታት ብምጥቃም ብሓዊ ተፈቲና ከም ወርቂ ካብ ሓመድ ተመሚያ ወፂኣቶ እያ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ፍልይ ትብለሉ ዓብዪ ባህሪኣ ኣብ ቅልውላው ናይ ምፅናዕን ሓዱሽ መንነት ናይ ምፍጣርን ዓቕማ እዩ። ወርቂ ብሓዊ ክፍተን እንተሎ ፅሬቱ ከምዝውስኽ ማዕረ ሃገራዊ ሓድነትን ታሪኻዊ መሰረትን ኢትዮጵያ እውን ፈተናታት እናሓለፈ እንትኸይድ ብዝበለፀ ይጥንክር።
ድሕሪት ተመሊስና ነዞም ዓመታት ፅንዓት ክንግምግም ከለና ካብ ማህፀን ፈተናታት ዝተወልዱ ዓበይቲ ዓወታት ንረኽብ።
ኣብ መስከረም 2013 ዓ.ም ዝጀመሩ ፖለቲካዊ ውጥረታት እናተጋደዱ ብምምፃእ፣ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲን ክሕደትን ነታ ሃገር ናብ ሰፊሕ ኲናት ኣእትዩዋ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ሽርሒ ውሽጣውያን ባንዳታት ጥራሕ ዘይኮነስ ሽርሒ ደጋውያን ፀላእቲ እውን ዝተቓልዐሉ ነይሩ። ኢትዮጵያ ብሓደ ኢዳ ህልውናኣ እናኽበረት፣ ብኻልእ ኢዳ ድማ ዓምዲታት ልምዓታ እናተኸለት ቀፀለት።
ኣብ እዋን ክረምቲ ደጋዊ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዓወት ብምዝዛም ኢትዮጵያውያን ናይ ባዕሎም ሜጋ ፕሮጀክት ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ናይ ምዝዛም ቆራፅነት ንዓለም ኣርአዩ።
ሰነ 2013 ዓ.ም ብዙሓት ተወዳደርቲ ፓርቲታት ዝተሳተፉሉን ብምሉእ ሰላማዊ መንገዲ ዝተዛዘመን 6ይ ሓፈሻዊ መረፃፃ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ኮይና እውን ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዓብዪ ታሪኻዊ ምዕራፍ ፅሒፋ እያ።
ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 2018 ዓ.ም፣ ንኢትዮጵያ ከም ወርቂ ዝነፀሩ ፈተናታት እናበርትዑ እኳ እንተመፅኡ፤ እታ ሃገር ንኹሎም ፈተናታት ናይ ምስጋር ጥበብ ከም ዘለዋ ኣርእያ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፅሑፋቶምን ኣብ መደረታቶምን ብተደጋጋሚ ከም ዝገልፁወዎ፤ ኢትዮጵያ ንፈተናታት ከም ፈተና ጥራሕ ኣይትርእዮምን፤ የግዳስ ሓዱሽ ዓቕሚ ዓወት ንምህናፅ ከም ዕድል ጌራ እያ ትወስዶም።
ፈተናታት ንዓና ናይ ምፍራስ ዓቕሚ የብሎምን፤ እኳደኣስ ውሽጣዊ መንነትና ኣነፂርና ክንወፅእን ሓቃዊ ዓቕምና ክንፈልጥን ይገብሩና ይብሉ።
ኣብ 2017 ዓ.ም ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ዝበቕዐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ጋህዲ ምዃኖም ኢትዮጵያ ፕሮጀክታታ ናይ ምዕዋት ዓቕማ እናወሰኸ ከም ዝመፅአ የርኢ።
ኢትዮጵያ ብፈተናታት ክትሓልፍ ከላ ዝወደቐት ዝመሰሎም ወገናት ኩሎም ንጥንካረኣን ውሽጣዊ ዓቕማን ክርእዩ ግድን ኮይኑዎም።
እዞም ከም ወርቂ ዘጥረዩና ዝሓለፉ ሓሙሽተ መስከረማት፤ ዓወት ኢትዮጵያ ብተፈጥሮዊ ፀገማት ወይ ብተደራራቢ ሰብ ሰራሕ ሽርሒታት ዝዕንቀፍ ከም ዘይኮነ የምህሩና።
ሎሚ እውን እንተኾነ ዓበይቲ ሃገር ዝልውጡ ፕሮጀክታታ እናሃነፀትን እናዛዘመትን፣ ሉኣላውነት ምግቢ እናኣረጋገፀት፣ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ብራኸኣ እናርአየት፣ ናብ ቅድሚት ምጓዓዛ ቀፂላ ኣላ።
ካብ ፈተናታት ሓዊ ነፂሃ ዝወፅአት ሃገር፣ ኣብ መፃኢ ዝገጥሙዋ ኩሎም ኩነታት ናብ ዓብዪ ዕድል ናይ ምቕያር ዓቕማ ውሑስ እዩ።
ብታሪኩ ለገሰ