ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 1ይ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ይዛተ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስያመ፣ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እናተዛተየ ይርከብ።
እቲ ባይቶ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 1ይ ፍሉይ ኣኼባ፤ ተወካሊ መንግስቲ ክቡር ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ፣ ብዛዕባ ኣድላይነት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ መብርሂ ኣቕሪቦም።
ብመሰረት ዝሃብዎ መብርሂ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሚኒስቴራ ቤት ዕዮታት 22 ኮይኖም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ለውጢ ስያመ ከም ዝተገበረን ክልተ ሚኒስቴራት ድማ ሓደሽቲ ኮይኖም ከም ዝተመስረቱን ኣብሪሆም።
ቅድሚ ሕዚ “ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን” ዝነበረ “ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን” ብዝብል ስያመ ከም ዝተቐየረለ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ “ሚኒስቴር ቱሪዝም” ዝነበረ ናብ “ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን” ብዝብል ስያመ ከም ዝተዋቐረ ተሓቢሩ።
ቅድሚ ሕዚ “ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን” ዝነበረ ናብ “ሚኒስቴር ብሄራዊ ስትራተጂ” ብዝብል ስያመ ከም ዝተመስረተ፤ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ “ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን” ዝነበረ ናብ “ሚኒስቴር ሎጂስቲክስ” ብዝብል ስያመ ከም ዝተቐየረ ተገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴራት ዝተገበረ ምምሕያሽ፤ ዝያዳ ውፅኢታዊያን ንኽኾኑን ምስ ተልእኾኦም ንክጠዓዓሙን ከምዝተደለየ ተሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) መብርሂ እናቕረቡ ከምዝርከባ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።