Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሕወሓት ህፃናትን ሰገናትን ናብ ኣገዳዲ ውትድርና ይምልምል ኣሎ – ዘ ጋርዲያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)እንግሊዛዊ ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሕወሓት ህፃናትን ሰገናትን ናብ ኣገዳዲ ውትድርና ይምልምል ኣሎ ክብል ኣቃሊዑ።

ዘ ጋርዲያን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሕወሓት ብሰንኪ ብመንግስቲ ፌደራል መጥቃዕቲ ድሮን ተፈፂሙኒ ብዝብል ምኽንያት ካብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ወፃእ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ፌደራል መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ንምፍፃም ኩናት ከምዝኣወጀ ኣብሪሁ።

እቲ ጅለ ኩናት ካብ ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ዕድሚኦም ንውትድርና ዘይበፅሑ ህፃናትን ሰገናትን ናብ ኣገዳዲ ውትድርና እናመልመለ ከምዝርከብ ፀብፂቡ።

ካብ ፍልፍላት ክልል ትግራይ ብምፅራሕ ዘ ጋርዲያን ከም ዝፀብፀቦ፤ እቲ ጅለ ዕድሚኦም ካብ 15 ዓመት ዘይበልፅ ሰገናት ከምኡ እውን ክሳብ 65 ዓመት ዝበፅሑ ሰላማውያን ዜጋታት ብግዲ ናብ ውትድርና እናመልመለ ከም ዝርከብ ኣረጋጊፁ።

ካብ ህፃናት ብተወሳኺ እቲ ጅለ ብዝፍፅሞ መጭወይቲን ዓፈናን ኣብቲ ክልል ፍርሕን ማሕበራዊ ቅልውላውን እናተረኣየ ከምዝርከብ እቲ ፀብፃብ ኣብሪሁ።

ገዙ ዝተብሃለ ተወላዲ ክልል ትግራይ ንዘ ጋርዲያን ከምዝተዛረቦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብዙሓት አዕሩኽቱ ከምዝሰኣነ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘካይዶ ሓፈሳ ብምፍራሕ ንባዕሉ ከምዝሓብአ ተዛሪቡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ መጀመርታ ናይ ወፍሪ ፃውዒት ከምዘቕረበ ብምዝኽኻር፤ ካብ ህዝቢ እወንታዊ ምላሽ ምስ ሰኣነ ግን ናብ ግፋ ብምእታው ብግዲ ህፃናትን ሰላማውያን ዜጋታትን ናብ ውትድርና ምምልማል ከም ዝጀመረ ገሊፁ።

ካሊእ ሰሎሞን ዝተብሃለ ተወላዲ ክልል ትግራይ ንዘ ጋርዲያን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘካይዶ ግፋ ብምፍራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመፅአ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ እናሃለወ እቲ ጉጅለ ካብ መገዲ ከምኡ እውን ካብ ኣውቶቡሳት ህዝቢ ህፃናትን ሰገናትን እንትገፍፍ ከምዝረኣየ ብምግላፅ፤ እዚ ብምፍራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ ገሊፁ።

ኤፍሬም ዝተብሃለ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑት ብተመሳሳሊ፤ ናይቲ ጉጅለ ግፋ ብምፍራሕ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ መረበቱ ገዲፉ ከምዝወፅአ ተዛሪቡ።

ቅድም ክብል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኩናት ውክልና ንምክያድን ዕድሚኡ ንምንዋሕን ህፃናትን ሲቪል ዜጋታትን ናብ ኣገዳዲ ወተሃደራዊ ምልመላ እናዋፈረ ምፅንሑ ቢቢሲ፣ ዩሮ ኒውስን ሮይተርስን ሓዊሱ ብዙሓት ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝፀብፀባ ይዝከር።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.