ነዛ ዓባይ ሃገርን ዓብዩ ህዝብን ዝምጥን ሓይሊ ፖሊስ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ – ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ነዛ ዓባይ ሃገርን ዓብዩ ህዝብን ከምኡ እውን ዓብዩ ራኢ ዘለዎ መንግስቲ ዝምጥን ሓይሊ ፖሊስ ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል።
ፍሉይ ስልጠና ኦፕሬሽን ዝወሰዱ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ማእከል ስልጠና ኦፕሬሽን ኣዳይቱ ተመሪቖም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ከም ዝገለፅዎ ነዛ ዓባይ ሃገርን ዓብዩ ህዝብን ከምኡ’ውን ዓብዩ ራኢ ንዘለዎ መንግስቲ ዝምጥን ሓይሊ ፖሊስ ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕ ይካየድ ኣሎ።
በዙይ እውን ሰላምን ፀጥታን ኢትዮጵያ ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ውሽጣውን ግዳማዊን ፀላእቲ ዝወሃብ ፖሊሳዊ ግቡእ ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ እናተፈጠረ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ፖሊስ ነታ ሃገር ንምዝማን ካብ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕማማት ዓቕሚ ኦፕሬሽን ኣብ እዋን ስራሕ ብዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ፍሉይ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ምዃኑ ሓበሬታ ፌዴራል ፖሊስ የረድእ።