ኢትዮጵያ ብሉኣላውነታ ኣይትደራደርን! ፤ ፀላኢ እውን ብድፋዕ ኣይድሕንን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ታሪኽ ምስክር እዩ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈተነትሉ ኩሉ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገራ ወርቃዊ መለለዪ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።
ሎሚ መንግስቲ መደመር ስር ቦቆስ ሪፎርም ዝተኻየደሉ ሰራዊት ምክልኻል፣ ጅግንነቱ ምስ ሰብ ሰራሕ ብልሒን ዘመናዊ ኣፅዋራት ኲናትን ኣወሃሂዱ ሒዙ ኣሎ።
ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ወራርን ውሽጣዊ ፈተናታትን ተጋፊጡ ብምሕላፍ ናይ ብዙሕ ዘበናት ላዕሊን ታሕቲን ዝተመልኦ ጉዕዞ ከምዝነበራ ታሪኽ ይዛረብ።
ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ሰራዊት ምክልኻል ድሕንነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ምርግጋፅ ቀንዲ ዓንዲ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
መንግስቲ መደመር ትካላት ፀጥታ ተሳጋሪነት ወለዶ ንምርግጋፅ ብዝገበሮ ትኹረት፣ ሓይሊ ፍሉይ ወፍሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሜካናይዝድ፣ ኤሌክትሮኒክስ ዋርፌርን ሓይሊ ሳይበርን ሰራዊት ብስር ቦቆስ ስራሕቲ ሪፎርም ኣጠናኺሩ እዩ።
እቲ ሰራዊት ምክልኻል ብምውዳብ ሓይልታት ምድርን ባሕርን እውን እናዓበየ ብምምፅኡ ኣብቲ ዞባ ዘይናወፅ ሓያል ሚዛን ሓይሊ ክፈጥር ክኢሉ እዩ።
ሎሚ ሰራዊት ምክልኻል ብብቕዓት ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብወታደራዊ ቴክኖሎጂን ዕቤት ዓውድታት ኢንዱስትሪ ውሽጢ ሃገርን ዓብዩ መሓውር ስግግር የካይድ ኣሎ።
ሎጂስቲክስ ዘጓዓዓዙ ድሮናት፣ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ ዝንቀሳቐሱ ተዋጋእቲ ጀታት፣ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ፀላኢ ኣቐዲምካ ብምስላልን ካሚካዜ ድሮናት ብምጥቃምን ዕርድታት ናይ ምፍራስ ዓቕሚ ተሃኒፁ እዩ።
ምስ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (AI)ን ድሕንነት ሳይበርን ዝተገብሩ ዘበናዊ ምትእስሳራት እቲ ሰራዊት ናይዚ ዘበን ወታደራዊ ስግኣታት ብናይ ባዕሉ ፍልጠት ንኽከላኸል ዘኽእሎ ስትራቴጂካዊ ብቕዓት ሂቦምዎ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ ሃገርና ሎሚ ብናይ ባዕላ ፍልጠትን ዓቕሚ ደቃን ልዑል ቴክኖሎጂያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት፣ ዘበናዊ ዝተዓጠቑ ወታደራዊ ተሽከርከርቲ፣ ከበድቲ ኣፅዋራትን መድፋዕትን ከምኡ’ውን ጥይታት ብባዕላ ወታደራዊ ኢንዱስትሪታት ክትፈሪ ክኢላ ኣላ።
እዚ ድማ ኣህጉራዊ ፅልዋ ኢትዮጵያን ከም ኣምባሳደር ሰላም ዘለዋ ግደን ብዘተኣማምን ኩነታት ኣጠናኺሩዎ እዩ።
ብሓፈሻ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ምስ ጅግንነት ሞያዊ ብቕዓት ምስ ፍቕሪ ሃገር ኣወሃሂዱ ዝሓዘ ህያው ዋልታ ኢትዮጵያ እዩ።
ብሶስና ኣለማየሁ