ኢትዮጵያ ንፀላእታ ቀጥቂጣቶም እያ!
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ማዕበል ዘይተፈራረቐላ ሽርሒ ዘይተኣለመላን ናይ ግዘ ምዕራፍ የለን። ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ብእቶን ፈተናታት ሓሊፋ ብዝበለፀ በሪሃን ሓይላን እትወፅእ ፍልይቲ ሃገር እያ።
ሎሚ እውን ታሪኽ ንባዕሉ ደጊሙ እዩ፤ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ንኢትዮጵያ ንምውዳቕን ንምምብርካኽን ዝፈተኑ ሓይሊታት ኩሎም ናይ ስዕረት ካባ ተኸዲኖም ሓፊሮም እዮም።
ኢትዮጵያ ብሉኣላውነታን ብብሄራዊ ረብሓታታን ፈፂማ ከምዘይትደራደር ብተግባር ኣርእያ እያ። ብፍላይ ድማ ናይ ክልቲኦም ዓበይቲ ማያት ማለት እውን ተበፃሕነት ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ጉዳይ ማእኸል ህልውናን ብሄራዊ ረብሓን እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።
ሓይልታት ወፃኢ ነዞም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ብምጥቃም እታ ሃገር ንምቑላፍን ብኢኮኖሚ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ንምጥቕላል ዝኸፈትዎ ዲፕሎማስያዊን ኢኮኖሚያዊን ወፍሪ ፈሺሉ እዩ። ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ቅዋማ ረብሓታታ ከምዝኽበርን ኣብቲ ዞባ መሪሕ ተራ ሓይሊ ሚዛንን ከም ዘለዋ ኣረጋጊፃ እያ።
ንምኽባር ህልውና ሃገር ቀዳምነት ዋጋ ዝኸፈለ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ። እቲ ሰራዊት ብዘርአዮ ጅግንነት፣ ቆራፅነትን ስትራቴጂካዊ ጥበብን፣ ሓድነት ሃገር ንምፍራስ ዝመፅኡ ኩሎም ፀላእቲ ቀጥቂጡ እዩ።
ምስ ባዕዳውያን ሓይልታት ብምትሕብባር ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፎም ንምሃብ ዝፈተኑ ውሽጣዊ ባንዳታትን ከሓድቲን ድፋዖም ፈሪሱ ክበታተኑ ተገይሩ እዩ።
ብፍላይ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅልፅም ኢትዮጵያ ክፃወር ስለዘይከኣለ፤ ሃገር ናይ ምፍራስ ሕልሙ ፈሺሉ፣ ሎሚ ናብ ልኣኽቱን ጎይታታቱን ክሽጎጥ ተገዲዱ ኣሎ። እዚ ዓወት፣ ናይ ሽርሒ ፖለቲካን ናይ ውክልና ኲናትን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ፈፂሙ ክዕወት ከም ዘይክእል ዘርኢ ንፁር መርትዖ እዩ።
ታሪኽ እውን ምስክር እዩ፤ ንኢትዮጵያ ዝደፈሩ ኩሎም ስዕረት ተጎልቢቦም እዮም። እታ ሃገር ሎሚ እውን ፀላእታ እናምበርከኸት፣ ሽርሒታት እናፍሸለትን ሓደሽቲ ታሪኻት ዓወት እናፀሓፈትን ናብ ቅድሚት ትስጉም ኣላ።
ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መቓብር ፀላእታ ዝህነፅ ምዃኑ ብተግባር ዝተራእየ ኮይኑ፤ እዚ ወለዶ እውን ሓደራ ጀጋኑ ብምቕባል፣ ሃገሩ ብልምዓት፣ ዲፕሎማሲን ልኣላዊነትን ኣብ ልዑል ብራኸ ንምፅናሕ ዘለዎ ታሪኻዊ ሓላፍነት እናተዋፅአ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ብሓድነት ደቃን ብብርተዐ ጀጋኑኣን ክብርን ሞገስን ረኺባ፣ ንዘለኣለም ክትነብር እያ!